2009-07-05 09:52:27

ሐንቲ ቅድስትን ብዙኃት ቅዱሳንን.


RealAudioMP3 ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ቅድስናን ብፅዕናን ሥነ ስርዓት ክፍጸም ዝቀረበሎም ቅጥዕታት ከም ዘጽደቁ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አፍሊጡ አሎ።

እዚ መግለጺ”ዚ ዝወጸ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ቅዱሳን ጉዳያት ማኅበር ዋና ሐላፊ ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ አንጀሎ አማቶ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉን ግዜን ነቲ ንቅድስናን ብጽዕናን ዘብቅዕ ሰነዳት ምስ መርመሩን ከም ዝኾነ እቲ መግለጺ አመልኪቱ።

ናይ ቅድስና አኽሊል ዝደፍአ መሥራቲት ደቂ ክርስቶስ ብፅዕቲ ካንዲዳ ማሪያ ኢ ባርዮላ ከም ዝኾና ክምልከት ከሎ ፡ አብ ስሳን ሸውዕተን ዕድምኤን አብ እስፓኛ አብ ሳላማንካ ብ1912 ዝዓረፋ ከም ዝኾና ተነጊሩ።

አኽሊለ ብፅዕና ዝደፍኡ መሥራቲ ቤት ሕክምና ፊሊፖ ነሪ አገልጋሊ እግዝአብሔር እምነቶም ካብ አንገሊካዊት ቤተክርስትያን ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያ ዝለወጡ እንግሊዛዊ ካርዲናል ጆቫኒ ኤንሪኮ ኒውማን ፡ ብ1951 ብኮሚስታውያን ዝተቀትሉ ናይ ሃንጋሪ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዞልታን ሉዶቪኮ፡ ዜጋ ጀርመን ጥቀ ክቡር ካህን አብ ጂዮርጂዮ ሄፍነር አብ ዳኻው ቢ942 ብናዚ ጀርመን ዝተቀትሉ ከም ዝርከብዎም አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አረዲኡ ።

በቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ መሠረት ቤተክርስትያን ብዙሐት ተውሰኽቲ ብፁዓን ክህልውዋ ኢዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.