2009-07-04 17:14:59

እብነ መቓብር ወይ ከአ መልግብ ቅዱስ ጳውሎስ ተረጋጊጹ


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ክፍሊ ከተማ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተቐበረሉ ሥፍራ ተባሂሉ ዝንገረሉ እብነ መቓብር ሓቅነቱ ንምጽራይ ዝተኻየደ ናይ ሥነ ጥንቲ መጽናዕቲ ዘቕረቦ ናይ ምርመራ ውጽኢት ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም: ኣብ ፎሪ ለ ሙራ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ባሲሊካ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል አንድረያ ኮርደሮ ላንዛ ዲ ሞንተዘመሎ፣ ናይ ቫቲካን ቤተ መዘክራት ናይ ሥነ ፍልጠታዊ ቤት ምርምር ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ኡልደሪኮ ሳንታማሪያ ዝርዝር መግለጺ ከምዝሃብሉ ተሓቢሩ።

“ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መዕጸዊ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ዓመተ ኢዮቤል ዝመርሕዎ ናይ ጸሎት ስነ ሥርዓት፣ እዚ ዓመት ኢዮቤል ናይ ኣሕዛብ ሐዋርያ ዓቢይ ትኵረት ከምእተገበረሉ ዘረጋገጽ ምዃኑ” ብፁዕ ካርዲናል ኣንድረያ ኮርደሮ ላንዛ ዲ ሞንተዘሞሎ ኣብቲ ናይ ምርምር ጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣብ ዝቐረበሉ ኣዋን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሓቢሮም። “እቲ ኣብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ እምነ መቓብር ዝተኻየደ መጽናዕቲ፣ ኣብቲ መቓብር ዘሎ የዕጽምቲ ናይ ኣሕዛብ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኢዩ ዝብል ትውፊት ዘንበሮ ሓቂ ዘረጋገጽ ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ናይ መቓብር ሥፍራን እቲ ኣብኡ ዘሎ የዕጽምቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ምዃኑ ትውፊት ካብ ዘረጋገጾ 20 ዘመናት ከምዝኾኖን እቲ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን እብነ መቓብር ምዃኑ ናይ ስነ ጥንቲ መጽናዕቲ ዝረጋገጾ፣ ከፊትካ እቲ ኣብዉ ዘሎ የዕጽምቲ ንምልላይ እዚ ብናይ ቫቲካን ቤተ መዘክራት ናይ ሥነ ፍልጠታዊ ቤት ምርምር ተመሪሑ ዝተኻየደ መጽናዕትን ምርምርን ፈንኮ ምዃኑ” ሓቢሮም፣ “ነቲ ንዕሥራ ዘመናት ዝተመሓላለፈ ትውፊት ሓቅነቱ ዝረጋገጽ” ኢዩ ኢሎም።

“ናብቲ መቓብር ሥፍራ መንፈሳውያን ነጋድያን ይውሕዙ ከምዝነበሩ ዝሕብሩ ጥንታውያን ዝተፈላለዩ ናይ እምነት መግለጺ ምልክት፣ መቓርዝ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ነገራዊ ጭብጥታት ከምእተረኸቡ” እውን ብፁዕነቶም ኣረዲኦም።

ቀጺሎም ፕሮፈሰር ኡልደሪኮ ሳንታማሪያ እቲ እብነ መቓብርን ኣብኡ ተነቢሩ ዘሎ የዕጽምቲ ናይ ኣሕዛብ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ምዃኑ ዝረገጋጽ ናይ ምርምር መጽናዕቲ ውጽኢት ተበጺሑ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.