2009-07-04 17:21:18

ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ


RealAudioMP3 ናይ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርዕሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ኣብ ሩሲያን ኤውሮጳን ኣፍሪቓን ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ተነጊሩ። እዚ ሰፊሕ ምብጻሕ ርእሰ ብሔር ኦባማ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ናይተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሸሞንተ ሃገራት መራሕቲ ጉባኤ ብምስታፍን ኣብ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምርኻብን ክፍጸም ምዃኑ ተሓቢሩ። ርእሰ ብሔር ኦባማ ቅድሚ ምጅማር እዚ ሰፊሕ መደብ ምብጻሕ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ብፍሉይ ዕድመ ናይ ቫቲካን ረድዮ ልኡኽ ጋዜጠይና ዝተዓደመሉ፣ ውሑዳት ጋዜጠይናታት ተቐቢሎም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ፣ “እተን ብኢንዳስትሪ ኣዚየን ዝማዕበላ ሸሞንተ ሃገራት ንድኻታት ሃገራት ብዅሉ መዳይ ንምሕጋዝ ዝሰማማዓሉ ውሳኔ ንኽብጻሕ ከምዝጽዕሩ እዚ ውጽኢት ናብ ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ሒዞም ክቐርቡ ተስፋ ከምዘለዎምን” ገሊጾም፣ “ምስ ር.ሊ.ጳ. ምርኻብ ንዓይ ዓቢ ክብሪ ኢዩ” ድሕሪ ምባል፣ “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሓፈሻኡ ኣብ ዓለምና ሰላም ንኽረጋገጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ቅድስቲ መንበርን ዝኽተልኦ ኣመለኻኽታን ውሳኔን ንኸተሓባብር ዘብቕዕ ርክብ ከምዝኸውን ተስፋ” ኣሎኒ ኢሎም።

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ምስተሓረዩ ምስ ር.ሊ.ጳ. ብስልኪ ከምእተራኸቡን እቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ዘደንቕ ከምዝነበረን” ሓቢሮም፣ “ከም ክልተ ልኡላን ሃገራት ድማ ኣብ ገለ ገለ ርእሰ ጉዳያት ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ፍልይ ዝበለ ኣመለኻኽታ ከምዘለሎ” ድማ ሓቢሮም፣ “ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም ዘለዋ ተሰማዕነት ቀሊል ኣይኮነን፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. በሊሕ መሪሕነት ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ክንዮ ሓይማኖታውን ፖሊቲካውን ማሕብራውን ዶብ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ” ኢሎም።

“ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ኣብ ቅድስቲ መንበር ቀጻልን ነባርን ቅኑዕን ፍትሓዊ ሰላም ንኽረጋገጽ ዝቕርብዎ ጻውዒት” ርእሰ ብሔር ኦባማ ምሉእ ብምሉእ ከምዝሰማምዑሉን፣ “ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝግበር ናይ ሰላም ዘተ፣ እስራኤል ኣብ ክባቢ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ እትፍጽሞ ሕዝባ ናይ ምሥፋር ወፈራ ብዘይ ምግታኣ ምኽንያት ከምእተቛረጸን” ገሊጾም “ፍልስጥኤማውያን እውን ዝፍንውዎ ጸረ እስራኤል ናይ ዓመጽን ጽልእን ወፈራ እውን ደው ንኸብሉ ምትብባዖም ይግባእ” ኢሎም።

ብዛዕባ ምስዳድ ጽንሲ ብዝምልከት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ከምዘሎ ዘይስሓት ምዃኑ ሓቢሮም “ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ውሳኔ ንኽብጻሕ ቀሊል ኣይኮነን፣ እዚ ግን ነቲ ብዛዕባ እዚ ንሕይወት ዝምልከት ኣርእስቲ ዝግበር ዘተ ክቕጽል ኣለዎ” ኢሎም። “ምእንቲ’ዚ እንታይነት ሳዕቤን ዘይተሓስበን ዘይድለን ጽንሲ ጉዳይ ንመእሰያት ሕንጸት ክወሃብን፣ ዘኽታማትን ብወለዶም ዝንጸጉ ኣላዪ ዘይብሎም ሕጻናት ንምንባይ ዘተባብዕ ሕጽነት ምስፍሕፋሕ የድሊ” ድሕሪ ምባል “ኣብ ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ፍትሒ ዘረድእ ትምህርቲ” ከምዝኣምንሉን እውን ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.