2009-07-03 15:08:51

ጻውዒት አቡናት ናይ ተስፋ መርኅ ግብሪ ንመራሕቲ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት


ካብ ዕለት 8 ሓምለ 2009 ክሳብ 10 ሓምለ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ላ’ኵይላ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ናይተን ሸሞንተ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሸሞንተ ሓገራት መራሕቲ ጉባኤ ዝመሓላለፍ፣ RealAudioMP3 ኣብ መላእ ዓለም ተዋፊረን ናይ ዘገልግላ ናይ ካቶሊክ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራትን ምንቅስቓሳትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ዝውክሉ ዝፈረምሉ “ንተስፈይና መርሃ ግብሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰየመ መልእኽቲ፣ ጽባሕ ንናይ ኢጣሊያ ናይ ኤኮኖሚ ሚኒ. ጁሊዮ ትሬሞንትን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፍራንኮ ፍራቲንን ናይ ሥራሕን ሓለዋ ጥዕናን ናይ ማኅብራዊ ፖሊቲካን ጉዳይ ሚኒ. ማውሪዚዮ ሳኮኒ ከረክቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቶም ናይዘን ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ናይ ተራድኦ ማኅበራትን ምንቅስቃሳትን ልኡኻት ዓለም ሓቆፍ ብፁዓን ጳጳሳትን ዕለት 4 ሓምለ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሚላኖ ብናይ’ዛ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚ ኣብ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ባሲሊካ ሳንቶ ስቴፋኖ ዓቢይ ናይ ኢቭረያን ሊቀ ጳጳስን ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ማኅበራውን ሥራሕን ፍትሕን ሰላምን ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣሪጎ ሚሊዮ ኣብ ዝመርሕዎ ናይ ጸሎት ሥነ ስርዓት ክሳተፉ ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ጸሎት ሥነ ሥርዓት ናይ ናይጀሪያን ኤኳዶርን ጓቴማላን ሊቀ ጳጳሳት ብዛዕባ ኩነታት ሕዝብታት ዝምልከት ናይ ምስክርነት ዘረባ ከስምዑ ምዃኖም ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.