2009-07-03 18:08:56

ጳጳሳት ካመሩን ምንጻል ጽንሲ ከም ዝተቃወሙ ተነጊሩ፡


እቲ ናይ ብሕብረት አፍሪቃ ናይ ማፑቶ ፕሮቶኮል አድማሳዊ ሰብአዊ መሰላት ክዕቀብ ዝሕሉ ሕጊ ከም ዝኾነ ብምዝኽኻር እዚ ፕሮቶኮል”ዚ መሰል ደቀንስትዮ ዝሐቆፈ ፕሮቶኮል ከም ዝኾነ እቲ ናይ ካመሩን ጳጳሳት አቤቱታ ከም ዝገለጸ ፊደስ ብተወሳኺ አመልኪቱ አሎ።

ብሓይሊ ተደፊረን ነፍሰ/ጾር ዝኾና ደቀንስትዮ አብ ሓኪም ቀሪበን ነቲ ጽንሲ ክንጽልኦ መሰል አለወን ዝብል ፕሮቶኮል ማፑቶ ዓንቀጽ ዓሰርተ አርባዕተ አብ ዘይቦትኡ ከም ዘሎ ጳጳሳት ካመሩን ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።

እዚ ዓንቀጽ”ዚ ደቀንስትዮ ብቀሊሉ ጽንሲ ክንጽላ ማዕጾ ዝኸፍት ስለዝኾነ ክሕሰበሉ ክአ ከም ዘተሐሳሰቡ ይምልከት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሐለፈ ወርሒ ጥሪ ዕለት ሾሞንተ አብ ቫቲካን ናይ ወጻኢ ሃገራት አምባሳደራት አብ ቫቲካን ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ካብ ድቂ ክሳዕ ተፈጥሮአዊ ሞት መሰል ክብሪ ሰብ ክዕቀብን ክኸበርን ከም ዘለዎ ብጥብቂ አተሐሳሲቦም ከም ዝንበሩ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ባአፍሪቃዊ ባህሊ ምንጻል ጽንሲ ገበን ስለ ዝኾነ ፕሮቶኮል ማፑቶ ዓንቀጽ ዓሰርተ አርባዕተ ክሕሰበሉ ጳጳሳት ካመሩን ከም ዝተማሕጸኑ ክአ ፊደስ አገልግሎት ዜና አረዲኡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.