2009-07-03 15:03:36

ስደተይና፣ ግዳይ ስእነት ሥራሕን ትሑት ሥራሕ ናይ ምርካብ ዕድልን


በቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባ ዘስዓቦ ስእነት ሥራሕ ብዝያዳ ንማሕበረሰብ ስደተይናታት ከምዘጥቀዔን፣ RealAudioMP3 ገና የጥቅዕ እውን ከምዘሎን፣ ቀዳሞት ግዳይ ምስጓግ ካብ ሥራሕን ሥራሕ ኣብ ናይ ምርካብ ዕድል ኮነ ኣብ ተደላይነት ሠራሕተይናን ሥርሕ ናይ ምርካብ መሰል ሰብ ኣብ መወዳእታ ክስርዑ ከምዝገበረን ናይ ምትሕብባርን ውሕስነት ኤኮኖምን ማኅበር ብዛዕባ ስደተይናታት ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ ናይ 2009 ዓ.ም.ፈ. መጽናዕታዊ ጸብጻብ የመልክት።

ናይቲ ነተን ኣዚየን ብኤኮኖሚ ምዕቡላት ዝበሃላ 30 ሃገራት ዝሓቑፍ ማኅበር ዋና ጸሓፊ አንገል ጉሪያ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ፓሪስ ብዕሊ እንከቕርቡ “ማኅበረሰብ ስደተይና ምኽንያት ምዕባለ ኤኮኖሚ ናእተን ሃብታማት ተባሂለን ዝግለጻ ሃገራት ክኾውን እንከሎ፣ ካብ ሥራሕ ናይ ምስጓግ ውሳኔ ግን ቀዳማይ ግዳይ ኢዮ” ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ

“ኣብተን ብኤኮኖሚ ዝማዕበላ ሃገራት ብዙሓት ናይ ጡረታን ዕረፍትን መሰል ሠራሕተይና ዘይክበረሎም፣ ብዘይ ሕጋዊ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ስደተይናታት ብዙሓታ ከምዝኾኑን፣ እዚ ድማ ንብዙሓት ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ይዅን ዘይሕጋውያን ስደተይናታትን ዘጥቅዕ ጉዳይ ከምዝኾነ” ጉሪያ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.