2009-07-03 18:10:46

ርሃጽ ደምን መግነዝን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተአሳሰረ ምዃኑ ተገሊጹ ፡


አብ ናይ ጥንቲ እስፓኛ ርእሰ ከተማ ዝነበረት ኦቭየዶ ብባህላዊ ብሂል መሠረት አብ መበል ሾመንት ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ፡ ርሃጽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተዓቂቡ ከም ዘሎ ይንገር ኢዩ።

ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ከም ዘመልከቶ፡ ናይቲ ርሃጽ ጠብታ/ደም ምስቲ አብ ሰሜን ጣልያን አብ ከተማ ቶሪኖ ዝርከብ መግነዝ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝሰማማዕ ብሳይንሳዊ መጽናዕቲ ክረጋገጽ ክኢሉ።

ሥነ ጥንታዊ ተማራማሪ ፡ ፕሮፈሶር ሎረንጾ ብያንኪ ከም ዘመልክትዎ ፡ አብ መንጎ”ቲ አብ እስፓኛ ኦርቢየዶ ዝተረኽበ ናይ ርሃጽ ጠብታ ደምን፡ መግነዝ ኢየሱስ ክርስቶስን ዘሎ ርክብ ንምፍላጥ ንነዊ ግዜ ሳይንሳዊ መርመራ ከም ዝተገብረን ፡ ጂኦግራፊካዊ ቅርጺ ናይ ርሃጽ ጠብታ ምስቲ መግነዝ ኢየሱስ ዝቃዶ ኮይኑ ተረኺቡ ።

እቲ አብ ኦቬየዶ ዘሎ አብ መንዲል ዝተቀርጸ ናይ ርሃጽ ጠብታ ደም ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መስቀል ምስ አውረድዎ ገጹ ዝኽደንሉ መንዲል ክኸውን ከሎ እቲ አብ ቶሪኖ ዝርከብ ክአ ዝተገንዘሉ ከም ዝኾነ ተነጊሩ።

ክልቲኦም ሕማማት ኢየሱስ ክርስቶስ ዘነጽሩ ከም ዝኾኑ እቶም ናይ ሥነ ጥንታዊ ፕሮፈሶር ሎረንጾ ብያንኪ መግለጺ ሂቦም አለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.