2009-06-30 17:31:38

ካሪታስ ኢን ቨሪታተ

ፍቅሪ ኣብ ሓቒ


ትማሊ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በዓል ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ብድሙቕ ሥርዓት ኣኽቢራን ዘኪራን ከምዝወዓለት ተመልኪቱ። RealAudioMP3

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ በዓል መሠረት ብምግባር ንግሆ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ፣ ጸኒሖም ድማ ብዛዕባ ማኅበራውያን ጕዳያት እትድህስስ ካሪታስ ኢን ቨሪታቲስ ዝተሰምየት ሣልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ንቤተ ክርስትያንን ንዓለምን ከምዘወፈዩ ዘበሠሩሉ ሥርዓተ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብጽሑ።

ቅዱስነቶም ብልማድ ዓመት ዓመት ከምዝግበር ኣብዚ ዝተጠቅሰ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንሠላሳን ኣርባዕተን ሊቃነ ጳጳሳት መጥሮጶሊ ቅዱስ ኣክሚም ኣልበሱ።

ኣብዚ ቅዳሴ ከምቲ ዝሓለፉ ዓመታት ሎብዘመን እውን ልኡኻን ሓድነታዊ ፓትርያርክ መንበረ ቍስጥንጥንያ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሜዎስ ቀዳማይ ተሳቲፎም።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ሥርዓተ ቅዳሴ እዚ ትርጉም ክህነትን ጵጵስናን ብሰፊሑ ዝገለጹሉ ስብከት አስምዑ።








All the contents on this site are copyrighted ©.