2009-06-27 17:00:21

ጸብጻብ ዓመተ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ኣሕዛብ


ዓሚ ከምዚ እዋን ዝተኣወጀ ዓመት ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ኣሕዛብ ብግጻዌ ሥርዓተ ላቲን ኣብ ዓመታዊ በዓል ሓዋርያት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ጽባሕ ኪዛዘም እዩ።

ብጸጋ እግዚአብሔርን ኣማልድነት ቅዱስ ጳውሎስን ኩሉ ብጽቡቅ መንፈስ ብዙሕ ነጋዲ ብዝተሳተፎ ኣገባብ ይፍጸም ከምዘሎ ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ኣንድረያ ኮርደሮ ላንዛ በዓል ሞንተዘመሎ ዓቢይ ዓወት ናይ ተሳታፍነትን እምነትን ዝተራእየሉ ዓመት ከምዝኾነን ነዚ ጸጋታት እዚ ናብ ኣብያተ ክርስትያን ናይ መላእ ዓለም ክባጻሕ ዘለዎን እዩ ቢሎም፣፣

ሓፈሻዊ ገምጋም ዓመተ ጳውሎስ ብዝርኢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ቅ.ኣ.ር.ሊ. ጳጳሳት ዝኽሪ ክልተ ሺሕ ዓመተ ልደት ቅዱስ ጳውሎስ ምስ አወጁ ኣብቲ መጀመርታ ዝሕልሕል ዝበለ ርድኢትን መንፈስን እዩ ነይሩ፣ ቀስ ብቀስ ግን እናተዀለዔ መጺኡ፣ ሓሓንሳእ ልዕሊ ዓቅሚ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዝኾኑ በሽሓት ዝቍጸሩ ክውሕዙ ጀሚሮም። ኣብ ታሪኽ ዓመተ ቅዱስ ጳውሎስ ንመጀመርያ ጊዜ እዩ ተአዊጁ፣ ቅዱስነቶም ዓመተ ቅዱስ ጳውሎስ ክንእውጅ ኢና ምስ በሉኒ ቅዱስ ዓመትዶ ኢለዮም ኣይፋል ፍሉይ ተማ ዚሓዘ ዓመት ቢሎም አረሙኒ፣ ኣስዒቦም ከአ ንቅዱስ ጳውሎስ ክነፍልጥ፣ ትምህርቲ ክነስፍሕ ከመይ ብዛዕባኡ ዚፍለጥ ቁሩብ እዩ ዝበዝሐ ከአ ጽቡቅ ትርጉምን ርድኢትን ኣይተዋህቦን ስለዚ ምስ ብፁዕን ቅዱስን ኢኩመኒካዊ ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ ቀዳማይ ዝጀመረ ቍልዒ ዓመተ ጳውሎስ ዓቢ ሽግ ኮይኑ ንኩሉ ኣብሪሁ እነሆ ኣብ ምዝዛሙ በጺሕና ክብሉ ብሓቂ ኣዎንታውን ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ዕዉትን ዓመት ከምዝነበረ ገለጹ።

እዚ ኣብ መላእ ዓለም ኣዎንታዊ ጽልዋ ዘሕደረ ዓመተ ጳውሎስ ኣብ በዓል ቻይና ኣብዚ ዓመት እዚ ናይ ተጠመቁ ቍጽሪ ብዕጽፊ ከምዝዓቢ ክሳብ ምግባር ኣብጺሑ፣ ሽሕ’ኳ መዕጸዊ ንገብር እንተሃሎና ጸጋታቱ ናብ መላእ ዓለም ክንዝርጋሕ ሎሚ ይጅምር ኣሎ እንኪብሉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.