2009-06-25 18:41:56

ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ


ንሓገዝ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝግበር ተግባር ብሮአኮ ዚብል ምሕጻረ ቃል ዚፍለጥ ጉጅለ ሥሩዕ መንፈቃዊ ጉባኤኡ ዛዚሙ።

ኣብ ናይ ዚሓለፈ መደብና ኣብ ናይ ሎምዘመን ጉባኤ ክሕገዛ ካብ ዝተሓርያ ቅድስት መሬትን ቡልጋርያን ከምዝኾና ገሊጽና ነርና። ኣብቲ ዝተገብረ ዘተ ብዛዕባ ዝተገብረን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ ክገልጹልና ንናይ ከተማ ሶፍያ ኤዛርቃን ሊቀመንበር ጉባኤ ጳጳሳት ቡልጋርያን ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶ ፕሮይኮቭ ጋዜጠኛና ምስ ተወከሶም ነዚ ዚስዕብ መብርሂ ሂቦም።

‘‘ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ ብሓቂ ንእሽቶ እያ፣ 8 ሚልዮን ዝኾኑ ካቶሊክ ኣለውዋ፣ ዳርጋ 1 ሚእታዊት ናይ ሕዝባ ማለት እዩ፣ ሠለስተ ሰበኻታት ሓንቲ ምሥራቃዊ ሥርዓት እትኽተል ክልተ ኸአ ላቲናዊ ሥርዓት ዝኽተላ አለዋና፣ እግዚአብሔር ይመስገን ድሕሪ ናይ ሓምሳ ዓመት ናይ ኮሙኒዝምን ረሲዕነትን ጸልማት ግዝአት ቤተ ክርስትያንና በብቍሩብ ሕይወት ትዘርእ አላ፣ ከቢድ ግዜ እዩ ከመይ ኣብ ጊዜ ኮሚኒዝም ኩሉ ንብረትና ተሃጊሩ እዩ፣ ሎሚ ቀንዲ ሓይልና ትምህርቲ ሃይማኖት ምምሃር እዩ ከመይ እምነት ክንስርት ኣሎና፣ እምነት ተዳኺሙ ጸኒሑ ከመይ ኣብ ጊዜ ኮሙኒዝም ኩሉ ገዳማትን ዘርአ ክህነታትን ተዓጽዩ ኩሉ ካቶሊካዊ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ተዓጽዩ እዩ ነሩ፣ ብውሑዱ ክልተ ወለዶ ዝኾኑ ትምህርቲ ክርስቶስን ቃል ኣምላኽን ተሓሪምዎም ዝነበሩ አለውና፣ እግዚአብሔር ይመስገን ካህናትን ደናግልን ካብ ወጻኢ እውን ክመጹና ይኽእሉ፣ ገዳማትን ዘርአ ክህነታትን ተዓጽዩ ስለዝነበረ ዝኽህን ኣይነበረ ትድንግል ኣይነበረት፣ ሕጂ ግን በብቁሩብ ኩሉ ይምለስ ኣሎ፣ኣብዚ ዓመት እዚ ንሠለስቲኤን ሰበኻታት 6 ሓደስቲ ክህነት ክቅበሉ እዮም። እዚ ወትሩ ዘጋጥም ኣይኮነን ግን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ቡልጋርይ ዓቢ ትርጉም አለዎ ሽድሽቲኦም ደቂ ቡልጋርያ እዮም እዚ ኸአ እታ ቤተ ክርስትያን ትስስን ከምዘላ ዓቢ ምልክት እዩ፣ ኪብሉ መሊሾም።

ካልአይቲ ሕቶ ቍሩብ ንድሕሪት መሊሳ መብርሂ ትሓትት ነበረት፣ ግዜ ኮሙኒዝም ብዙሓት ካህናት ተአሲሮም ነሮም፣ ኣብ ስሳታት ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጹ ካብ ጸቢብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም ቡልጋርያ ኣብ ዝበሃል ገፊሕ ቤት ማእሰርቲ ተሓዪሮም ቢልኩም ነርኩም፣ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ቡልጋርያ ከመይ ዝበለት ሃገር ነበረት’

መልሲ ብፁዕ ኣቡነ ፕሮይኮቭ ‘ኣብ ስሳታት መንግሥቲ ሃገረ ቡልጋርያ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ነበረ፣ ሽህ’ኳ እቲኦም ካህናት ካብ ቤት ማእሰርቲ እንተወጹ ብዙሕ ተዳኺሞም ነሮም፣ ይዝከረኒ ብዙሓት ካብኦም ድሕሪ አዋርሕን ዓመታትን ብሰንኪ ናይ’ዚ ማእሰርቲ መይቶም፣ ሕይወት ካህናት ኣብቲ ግዜቲ ብርቱዕ መሥዋዕትነት ዚሓትት ነበረ፣ ጸዋዕታ ክህነትይ እውን ካብዚ እዩ ፈልፊሉ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጹ ብኡ ንብኡ ዝሞቱ ካህናት ንርኢ ነርና፣ ግዝአት ኮሚኒዝም ዘለዓለማዊ ኮይኑ ይረአየና ነሩ፣ ሕይወተይ ንቤተ ክርስትያነይ ብምውፋይ ክሕግዛ እኽእል እየ ብምባል ድማ ብሕቡእ ብምጽናዕ ብ1970-71 ክህነት ተቀቢለ፣ ክህነት ዝሃቡኒ ኣቡን ብኡ ንብኡ ብፖሊስ ተጸዊዑ ብዙሕ አደራዕ ወሪድዎ፣ እዚ ንካልኦት ዓቢ ኣብነት ነበረ። ኪብሉ ነቲ ኩነታት ገለጹ።









All the contents on this site are copyrighted ©.