2009-06-18 17:51:09

ጸገም ማኅበር ቅዱስ ፕዮስ 10ይ


እቲ ብቅዱስ ፒዮ ዝፍለጥ ማኅበር ለፈብርያኒ አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሰነ መወዳእታ መዓርገ ክህነት ክህብ መደብ ከም ዘለዎ ክንገር ከም ዝቀነየ ዝዝከር ክኸውን ከሎ፡ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ውጥን ማኅበር ቅዱስ ፒዮ ካብ ሕጊ ወጻኢ ከም ዝኾነ መግለጺ ሂቡ አሎ።

በቲ ክፍሊ ማኅተም ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት፡ ማኅበር ቅዱስ ፒዮ አብ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቀኖናዊ ሕጊ ቦታ ስለዘይብሉ፡ እቶም በቲ ማኅበር መዓርገ ክህነት ዝቅበሉ ካህናት ክአ ብቤተክርስትያን ተቀባልነት አይህልዎምን ። RealAudioMP3 ለፈብርያውያን ማለት ቅዱስ ፒዮ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ብዚምልከት ከየነጸረ እንከሎ አብ ቤተክርስትያን ቀኖናዊ ሕጊ ቦታ የብሉን እቶም በቲ ማኅበር መዓርገ ክህነት ዝቅበሉ ክአ ከምኡ ብማለት እቲ ክፍሊ ማኅተም ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ትምህርቲ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዝምልከት ምስ ሐለፍቲ ማኅበር ቅዱስ ፒዮ ዘተ ክጅመር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሐለፈ ወርሒ መጋቢት መግለጺ ሂቦም ከም ዝነበሩ ክፍሊ ማኅተም ቫቲካን አዘኻኺሩ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.