2009-06-18 18:11:27

ጥቀ ክቡር ካህን አብ አጸቨዶ ጎመሽ አብ ጥቃ ርእሰ ከተማ ብራዚልያ ከም ዝተቀትሉ ማዕከናት ዜና ብራዚል አፍሊጦም።


አብ ናይ ብራዚል ረኪበ ጳጳሳት ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ ሐላፊ ጥቀ ክቡር ካህን አብ አጸቨዶ ጎመሽ አብ ጥቃ ርእሰ ከተማ ብራዚልያ ከም ዝተቀትሉ ማዕከናት ዜና ብራዚል አፍሊጦም።

ቤተክርስትያን ብራዚል በዚ አብ ልዕሊ 31 ዕድመ ዝነበሮም መንእሰይ ካህን ዝተፈጸመ እኩይ ተግባር ጥልቂ ሐዘን ከም ዝተሰምዓ ተመልኪቱ።

ነባ ጎመሽ ዝቀተሉ አርባዕተ ሰባት ብፖሊስ ከም ዝተታሕዙን በቲ ዝፈጸምዎ ገበን ከም ዝአመኑን ፖሊስ ብራዚልያ ከም ዘፍለጠ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

አባ ጎመሽ መንእሰያት ብራዚል ጸረ/ዓመጽ ይምርሹ ብዝብል መሪሕ ቃል ዓመጽን ቅጥፈትን ንምግታእ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብመንእሰያት ተቀባልነት ዝነበሮም፡ ርሕሩሕን ቆራጽን መንእሰይ ካህን ከም ዝነበሩ ይምልከት።

እቶም ነቶም ካህን ዝቀተሉ ብፖሊስ ዝተታሕዙ ሰባት ነቶም ካህን ዝቀተልዎም ገንዝብ ንምስራቅ ከም ዝኾነን ሰለስተ ሺሕ ዩውሮ ከም ዝሰረቅዎምን ከም ዝአመኑ ፖሊስ ብራዚልያ ከም ዝገለጸ ተነጊሩ።

እዞም አብ ብራዚል ዝተቀትሉ መንእሰይ ካህን አብ ጂስለይ አጸቨዶ ጎመሽ አብዚ ቀረባ ግዜ አብዚ አብ ራድዮ ቫቲካን መደብ ቋንቃ ብራዚል ብዛዕባ መንእሰያት ብራዚልብዚምልከት ብቃለ መጠይቅ መልክዕ መግለጺ ከም ዝሀቡ ክዝከር ከሎ ፡ አብ ብራዚል አብ ዓመት 45 ሺሕ መንእሰያት ብዓመጸኛታት ከም ዝቅተሉ ጠቂሶም ፡ እዚ ተርእዮ”ዚ ክግታእ ከም ዘለዎ ከም ዘተሐሳሰቡን ይዝከር።

ናይ ብራዚል ረኪበ ጳጳሳት ውሃቢ ቃል ዶን ዲማሽ ላራ ባርቦሳ ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብራዚል በዚ እኩይ ተገባር”ዚ ጥልቂ ሐዘን ከም ዝስምዓ ጠቂሶም ሐሳብን መደብን አባ ጎመሽ ግን ከም ትቅጽሎን መንእሰያት ብራዚል አብ ምክንኻንን ጸረ/ዓመጽ ከም ትቃለስን ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.