2009-06-18 17:37:31

ወንጌል ብኹለን ቋንቋታት ክስበኽ ዝተጸሓፈ እዩ፣


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ቃ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማል ሓፈሻዊ ሰሙናዊ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ክልተ ቅዱሳን ኣሕዋት ቄርሎስን መቶዴዎስን ገሊጾም።

ወንጌል ኣብ ናይ ኩሎም ሕዝብታት ባህሊ ሰሪፁ ብምእታው ብጸጋታቱን ዕብየቱን ከብርሆ ይግባእ ብምባል ድማ ኣተሓሳሲቦም ።

ኣብ ናይ ትማሊ ጉባኤ ኣስተምህሮ ር.ሊ.ቃ.ጳጳሳት ካብ ኣርባዓ ሺሕ ንላዕሊ ዝግመቱ ሰባት ተሳቲፎም።

ቅዱስነቶም ኣስተምሀሮኦም ምስ ዛዘሙ ምስ ልኡካን መንበረ ፓትሪያርካ ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ኣስተምህሮ ንዝተሳተፉ ናይ ሶሪያ ካቶሊካዊያን ቤተ ክርስቲያን ኣንጾኪያ ሓዲሽ ፓትሪያርክ ብፅዕ ወቅዱስ ኢግናጽዮስ ዩሱፍ ሣልሣይ ዮናን ቃለ ሰላምታ ኣቕሪቦም።

ብዘይካ’ዚ ድማ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣሊያ ብምትሕብባር ጳጳሳት ኢጣሊያ ኣብዘንቀሳቀስዎን ዝጸወዕዎን ጉባኤ ሓለፍቲ ሃይማኖታት ዝተሳተፉ ኣባላት ተቐቢሎም ምኽርን ቃለ ሰላምታን ሂቦም። RealAudioMP3








All the contents on this site are copyrighted ©.