2009-06-18 18:17:45

አፍሪቃ ዕለት ሕፃናት ዘኪራ ውዒላ


“መሰል ትምህርትን ሰብአዊ ክብረትን ንኹሉ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንመበል 19 ጊዜኡ ትማሊ ነቶም ብዕለት 16 ሰነ 1976 ዓ.ም.ፈ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ስዌቶ ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ዝሞቱ 152 ሕፃናት ብምዝካር ዕለተ ሕፃናት ተባዒሉ። RealAudioMP3

ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚቴ መሰል ሕጻናት ፕረሲደንት ኣቶ ሰይናቡ እንዲያየ ዲያኻተ “እዚ ዕለት እዚ ነቲ መብዛሕትኦም ዘየይተዓደሉ ሕፃናት ኣፍሪቃ ዘሕልፍዎ ዘለው ሥቃይ ንምስትንታን ይዕድመና፣ ምስትንታን ጥራይ ዘይኮነ ነፍሲ ወከፍ ኣፍሪቃዊ ሕፃን ዘጓንፎ ጸገማት ሓባራዊ መፍትሒ ንምርካብ ከመይ ገቢርና ሓቢርና ክንሠርሕ ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ይሕግዘና።” ብማለት ዕላማ ናይ’ዚ ዝኽሪ ገሊጾም።

አፍሪቃውያን ሕፃናት ዝስከምዎ ኣደራዕ ንምግላጽ ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ኣፍሪቃ በብዓይነቱ ምርኢታትን ጉባኤታትን ከምዝተገብረ ሚስና ዝተባህለ ኣገለሎት ዜና ሓቢሩ። ከም ኣበንት ኣብ ያውንደ ርእሰ ከተማ ካመሩን ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት ናይ’ታ ሃገር ዝመጹ 180 ዝኾኑ ሕጻናት ብዘቈምዎ ፓርላማ “ባይቶ ሕጻናት” ንሶሙን ዝኸውን ብዛዕባ ምውጋድ ድኽነት ትምህርቲ ናብ ኩሎም ሕፃናት ምብጻሕ ኣብ ሥራሕ ምውፋር ናይ ትሕቲ ዕድመ ምውጋድ ዝብሉ ዛዕባታት ኣልዒሎም ክዝትዩ ምዃኖም ተመልኪቱ፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ እውን 200 ዝኾኑ ሕፃናት “ክትከላኸሉልናን ክትሕብሕቡናን መሰልና እዩ፣’’ ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ብሙዚቃ ዝተሰነየ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝገበሩ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ሕፃናት ኣብ ደቡብ ሱዳን ወዘተ።

መዓልቲ ሕፃናት ኣፍርቃ ቅድሚ 15 ዓመት ብ1991 ዓም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሕብረት ኣፍርቃ ነቶም ብዕለት 16 ሰነ 1976 ዓ.ም. ኣብ ስዌቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዝተቀትሉ ሕፃናት ብምዝካር ዝቆመ እዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.