2009-06-18 18:14:17

ትማሊ ብዓለም ለኸ ደረጃ ምድረ በዳነትን ነቅጽን ንምግታእ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ


ትማሊ ብዓለም ለኸ ደረጃ ምድረ በዳነትን ነቅጽን ንምግታእ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ተዘኪሩ ከም ዝውዓለ ይፍለጥ። እዚ ዕለት”ዚ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሐፈሻዊ ጉባኤ ብ1994 ህዝቢ ዓለም ጸረ ነቅጽን ምድረበዳነትን ክምክት ዘሕለፎፕ ውሳኔ ከም ዝኾነ ይዝከር።

ምድረ በዳነት ብፍላይ አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም ይንህር ከም ዘሎን ናይ ሐደ ሚልያርድ ህዝቢ ህልውና ይፈታተን ከም ዘሎን ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘጠንቀን ከም ዘተሐሳሰበን ይምልክት።

ነቅጽን ምድረ በዳነትን ምንጪ ድኽነትን ጥሜትን ከም ዝኾኑ እቲ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ከም ዘፍለጠ ተገሊጹ ።

በዚ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ጸብጻብ መሠረት ፡ ዕስራን አርባዕተን ሚልዮን ህዝቢ ብጠንቂ ምድረ በዳንትን ንቅጽን ካብ ቦትኦም ተዘናቢሎም ፡ እንድሕሪ ምድረበዳነት በዚ ሕዝዎ ዘሎ ናህሪ እንተቀጺሉ ፡ብ20050 ዓመተ ምህረት ክልተ ሚእቲ ህዝቢ ክዘናበል ይኽእል።

ብዋሕዲ ዝናብ ዝሳቀያ ዘለዋ ሃገራት አፍሪቃ ድሕሪ ነዊሕ ዝበለ ግዜ ናብ ምድረ በዳ ከይልወጣ ስግአት ከም ዘሎ ዘመልከተ ጸብጻብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝስተ ማይ ዝስአነሉ ግዜ ክምጽእ ከም ዝክእል ተነብዩ ።

እዚ ምእንቲ ከይከውን ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ምግታእ ምድረ በዳነት ገቢራዊ ክኸውን ከም ዘለዎ እቲ ጸብጻብ አገንዚቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.