2009-06-16 15:22:34

ናይ አውስትርያ ብፁዓን ጳጳት ልኡካን


ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ናይ አውስትርያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ልኡካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊጹ። ኣብቲ ትማሊ ንጉሆ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ቦሎኛ ምስ ናይ አውስትርያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ልኡካ ንዝተኻየደ ናይ ቅዱስ ኣቦና ርክብ፣ RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማኅበራትን ሓለፍቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ኩርያ ሮማና ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ተሓባበርቲ ር.ሊ.ጳ. እውን ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ። እቲ ትማሊ ተጀሚሩ ሎሚ ዝፍጸም ርክብ ብዛዕባ ሰበኻ ሊንዝን ዝምልከቱ ሕቶታትን፣ ናይ አውስትርያ ቤተ ክርስትያን ጸገማትን ዘማእከለ ከምዝኾነ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዋሃበ መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.