2009-06-16 15:46:44

ራቢ ኤሪክ ሲልቨር፤ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ቅዱስ ክበሃሉ ይምነዩ።


እናቴ ማርገሪታ ማርኪዮነ “ነፍሰ ኄር ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12፣ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሸምሉ መበል 70 ዓመት ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት፣ ዝተፈላለዩ ናቶምን ብዛዕባኦምን ዝዛረቡ መዛግብትን ዝተጻሕፉቶምን ሰነዳት ብዛዕባ ታሪኾም ዝዳሕሰሰ መጽሓፍ ንምባብ ከምዘቕረባ ክንገር እንከሎ፣ ኣብቲ ናይዚ መጽሓፍ መእተዊ፣ RealAudioMP3 ኣሜሪካዊ ራቢ ኤሪክ ሲልቨር ኣብ ቸሺር ናይ ዝርከብ ሙክራብ ላዕለዋይ ራቢ ቅድም ነቲ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ቅድስና ከይትእውጀሎም ምስቶ ዝተሓሳስቡን ኮይኖም ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝነበሮም ሕማቕ ግምትን ሕጂ ግን ኣወጊዶም ሓቀይና ታርኽ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ድሕሪ ምፍላጦም ቤተ ክርስትያን ቅድስና ክትእውጀሎም ከምዝጽልዩ ከምዘመልከቱ ክፍለጥ እንከሎ፣ “እዚ ድማ ኣብ መንጎ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖትን ካቶሊክን ዘሎ ርክብ ክመሓየሽ ከምዝሕግዝ ኣይጠራጠርን ኢየ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ናይ ናዚ ፋሽስታዊ መንግሥቲ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ናይ ምንጻት ዓመጽ ውሳኔኡን ተግባሩን ተሓባባርን ወይ ድማ ደጋፍን ኢዩም ንዝብል ብዙሓት ዝብልዎ ጉዳይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሮማ ብዛዕባ ር.ሊ.ፓ. ፒዮስ መበል 12 ኣብ ዝተካየደ ዓውደ መጽናዕቲ ድሕሪ ምስታፎም ሓቂ ከምዘይኮነ ከምዝረጋገጹን፣ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ካብቶም ናይ ስነ ጲዮስ መበል 12 ሊቃውንትን ናይ ታሪኽ ተመራመርትን ዘቕረብዎ ኣስተምህሮታትን ዝሃብዎ መግለጽታት ሓቀይና ኣፍልጦ ታሪኽ ር.ሊ.ፓ. ፒዮስ መበል 12 ክህልዎም ከምዝገበረን ድማ ኣብቲ ናይታ መጽሓፍ መእተዊ ጽሑፎም ከምዝሓበሩ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.