2009-06-15 08:52:31

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕፃናት


ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ዓለም እናዋፈርካ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ምዝመዛ ፈጺሙ ክውገድ ዘተሓሳስብ ነዚ ዕላማ ዘነቓቕሕ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕፃናት “ንሕፃናት ኣዋልድ ዕድል ምፍጣር፣ ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ምውፋር ይተኣገድ” ብዝብል መሪኅ ቃል ተሰንዮ ሎሚ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ተገሊጹ። RealAudioMP3

እዚ ምእንቲ መሰልን ፍቓድን ሕፃናት ተባሂሉ ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ዓለም ምዱጓን ክውገድ ማኅበረሰብ ዓለምን መንግሥታትን ንምንቕቓሕ ተባሃሉ በቢ ዓመቱ ዝዝከር ዕለት ክኸውን እንከሎ፣ ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ዓለም ከይዋፈሩ ዝእዝዝ ዓለም ሓቆፍ ውሳኔ ካብ ዝእወጅ ለብዘበን 10 ዓመቱ ይዝከር።

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 100 ሚሊዮን ዝግመቱ ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ዓለም ተዳጕይኖም ዕሸል ዕድሚኦምን ክብሪ ሕፃን መሰልን ፍቓድን ተነፊግዎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝረከቡ፣ ብዛዕባ ናይ ሥራሕ ጉዳይ ዝከታተል ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ኣባልን እዚ ማኅበር ሕፃናት ዝዋፈርሉ ሥራሕ እንታይ ይመስል ዝብል መደብ መጽናዕቲ ዘወሃህዱ ፕሮፍፈሶር ፉሪዮ ሮዛቲ ብዛዕባ ጉዳይ ኣብ ሥራሕ ዝተዳጎኑ ሕፃናት ሠራሕተይናታት ኣመልኪቶም ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።

“ሕፃናት ኣዋልድ ኣብ ዘስካሕክሕ ክብሪ ዝሓክኽ ጸያፍ ተግባር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተደሪኸንን ተገዲደንን ከምዝዳጎናን፣ እቲ ዝኸፈኤ ኣብ ናይ ኣመንዝራነት ሕይወትን ከም ናይ ገዛ ሠራተይና ኮይነን፣ ጾር ሥድራ ቤተን ተሰኪመንን ብዘይዕድመኤን ወለደን ክኣልያን ኣሕዋተን ከናብያን ካብ ትምህርቲ ዓለምን ተገሊለን ዕሸል ሕይወተን ኣብ ዘየስተማቕራሉ ከቢድ ኵነት ከምዝርከባን” ፕሮፈሶር ሮዛቲ ገሊጾም፣ “ኣብ ሃብታማት ሃገራት እንተሪኢና ድማ ይብሉ “ኣክንዲ ንናይ ትምህርትን ምርምርን መደባት ሃብቲ ገንዘብ ምውፋር ኣብ ናይ ምጽንፃን ኤኮኖምን ኮይኑ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ናይ ተምሳል ሕይወት እናፈሰሰ ኣብዚ ዓይነት ሕይወት እዚ ድማ ብዙሓት ደቀንስትዮ መሣርሒ ኮይነን ከምዝረከባን፣ መምዘኒ ናይዚ ዓይነ ሥራሕ ብቕዓት ዘይኮነስ ደጋዊ መልክዕ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዓቢ ማኅበራውን ሰብኣውን ሥነ ኣእምሮኣውን ጸቕጢ የስዕብ ኣሎ” ኢሎም። “ኣብ ብዙሓት ሓገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ጾታዊ ኣድልዎ ከምፍጸም” እውን ሓቢሮም፣ “ኣብ ዝማዕበላ ሓገራት ናይ ኣደነት መሰልን ፍቓድን ብዝተፈላለዩ መገድታት ከምዝሰናኸልን ስለዚህ ምስቲ ናይ ሥራሕ ዕዳጋ ክመሳሰላ ክብላ ነቲ ናይ ኣደነት ባህሪኤን ብፍቓደን ይኹን ተገዲደንን ከምዝሓከኦን ከምዘይነብረኦን” ገሊጾም። “ናይ ሕፃናት መሰልን ፍቓድን ናይ ምኽባር ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ገቢራዊ ክኸውን ናይ ኩለን ሃገራት መንግሥታት ፖሊቲካዊ ግዳሴ ክኸውን ኣለዎ” ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.