2009-06-13 15:48:35

መልእኽቲ ጳጳሳት ኢጣልያ ንደለይቲ እግዚአብሔር፡


ጳጳሳት ኢጣልያ ነቶም እግዚአብሔር ይደልዩ ንዘለዉ ሰባት መልእኽቲ ከም ዘተሐላለፉሎም ተነጊሩ። መልእኽቲ ጳጳሳት ኢጣልያ አመንቲ መድኀኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾና መጠን ነቲ ንሕይወትና ትርጉምን ተስፋን ዝሀበ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ትደልይዎ ዘለኹም ክነፋልጠኩም ጥልቂ ሐጎስ ይስምዓና ኢሉ እምነተ ከም ዝጅምር ይምልከት።

መልእኽቲ ጳጳሳት ኢጣልያ ብናይ ረኪበ ጳጳሳት ተአምኖተ ሃይማኖት ኮሚስዮን ከም ዝተዳለወን ናይዚ ኮሚስዮን “ዚ ሊቀመንበር ናይ ከተማ ኪየቲን /ቫስቶን ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ ብሩኖ ፎርተ ከም ዝኾኑን ጋዜጣ አቨኒረ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ናይ ኪየቲን ቫስቶን ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ ብሩኖ ፎርተ ጳጳሳት ኢጣልያ ነቲ መልእኽቲ ዝጽሓፍሉ ምኽንያት ክገልጹ ከለዉ ፡ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ዝተገልጸልና ፍቅሪ እግዚአብሔር ከም ብሐዲሽን ኩሉ ግዜን ንምግላጽን መልእኽቲ ተስፋን ፍቅርን ንምግላጽ ስለዝተደልየ ኢዩ።

እቲ መልእኽቲ ከም ጽሑፋት ትምህርተ ክርስቶስ ሰፊሕ ትሕዝቶ ዘለዎ ከም ዘይኮነ ዘመልከቱ ብፁዕ አቡነ ብሩኖ ፎርተ ብሕጽር ዝበለ መልክዑ መልእኽቲ እምነት፡ መልእክቲ ተስፋ ፡ መልእኽቲ ፍቅሪ ፡ከም ዝኾነ አመልኪቶም።ቃለ እግዚአብሔር ወትሩ አብ ዝኾነ ግዜ ክንገር ክቃላሕ ክድመጽ ከም ዘለዎ ናይ ጣልያን ረኪበ ጳጳሳት ተአምኖተ ኃይማኖት ኮሚስዮን ሊቀ መንበር ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ ብሩኖ ፎርተ አገንዚቦም።

እዚ ብቀሊሉ ኩሉ ሰብ ብዝርድኦ ንእግዚአብሔር ንዝደሊ ሰብ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ”ዚ ቤተክርስትያን ምስ ፍጡር ልብ ንልቢ ክትወሃሃብ ስለትደሊ ንዝሐትት መልሲ ክትህብ ቤተክርስትያን ቀረባ ዓርኪ ሰብ ከም ዝኾነት ዘረድእ መልእኽቲ ክአ ከም ዝኾነ አተሐሒዞም አመልኪቶም።

ሊቀጳጳስ ኪየቲን /ቫስቶን ብፁዕ አቡነ ብሩኖ ፎርተ ነቲ ዝሀብዎ መግለጺ አተሓሒዝሞ፡ አመንቲ ኩልና ኢና ንእግዚአብሄር ንደልዮ ዘለና ፡ መዝሙረ ዳዊት ጠቂሶም ክአ ጥልቅነትን ጽባቄን እግዚአብሔር ኩሉ ግዜ ደሊኻ ክትረኽቦን ኦ እግዚአብሔር ገጽካ አይትኸውለልና ኢልና ክንጽሊ ናብ ፈጣሪና ክንጽጋዕ በመንፈስ ቅዱስ ድልዱላት ክንከውን ይግብአና ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.