2009-06-11 20:25:18

ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኅብረት ኤውሮጳ


ኣብ ክሮኣዚያ ከተማ ዛጋብሪያ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ብዛዕባ ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ዝሓሊ ድርገታቱ ገይሩ እቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ሥርዓት ፋይናንስን ዘኸትሎ ዘሎ ሽግራትን ብሕልፊ ድማ ኣብ ድኻ ክፍሊ ኅብረተሰብ ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ሽግር ኣማእኪሉ ዘካየዶ ኣኼባ ከምዘጠናቐቐ ተሓቢሩ። RealAudioMP3

እዚ ናይ ዛጋብሪያ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ንድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎምን፣ እዚ ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ኤኮኖሚ’ዚ ክውንነትን እምነትን ዝሓትት ከምዝኾነ ከምዘተሓሳሰበ ተገሊጹ። ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኅብረት ሊቀ መንበር ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፔስትን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “እቲ ቅልውላው ኤኮኖሚ ዓለም ለኻዊ ብምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንብሕቱ ወይ ድማ ሃብታማት ሃገራት ንበይነን ምላሽ ዝህባሉ ጉዳይ ዘይኮነስ፣ መፍትሒኡ ዓለም ለኻዊ ክኸውን ግድን ኢዩ፣ ስለዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ማኅበረሰብ ዓለም ዘኸትሎ ዘሎ ጸገም መሚኻን ሓባራዊ ምላሽ ምቕራብ የድሊ” ኢሎም።

“እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኣብ ልዕሊ ሥድራ ቤትን ድኻታትን ዘስዕቦ ዘሎ ሽግር ንምፍታሕ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዝተፈላለዩ መደባት ብምሕንጻጽ ይዋሳእ ከምዘሎ ገሊጾም፣ ኣብዚ ጉባኤ እቲ ብደረጃ ናይ ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ሓባራዊ ቅርጺ ንክህልዎ እንታይ ክብገር ከምዘለዎ ዝዘተየ ምዃኑ” ሓቢሮም።

ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ፖለቲካ ሥነ ምግባር መምህር ፕሮፈሶር ኣንቶኒዮ ማሪያ ባጆ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርኤ ዘሎ ናይ ዜጋታት ካብ ፖለቲካ ምርሓቕ፣ ዓቢይ ሽግር ከምዝኾነን ዝሓበርዎ እንከብራርሁ፣ “በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳን ከማኡ ድማ ንናይ ኤውሮጳ ህዝባዊ ባይቶ ኣባላት ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ብውኁድ ኢዩ ተሳቲፍሉ፣ እዚ ድማ ናይቲ ዝረኤ ዘሎ ብርቱዕ ተዓቅቦ ምልክት ከምዝኾነን፣ እቲ ሓደ ምኽንያት ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዝተኻየደ ምርጫን እቲ ዝሰዓረ ናይ ፖለቲካ ሠልፍን ርእሰ ብሔር ኦባማ ዝኽተልዎ ናይ ለውጢ መርሃ ግብርን ዝድኅስሶም ዘሎ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ዓሚዩቕን ኣገዳስነት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብዚ ዓይነት ለወጢ’ዚ ተሳትፎ ናይ ኤውሮጳ ብዅር ብምዃኑ፣ ሕዝቢ ኤውሮጳ ዘረኣዮ ድምጸ ተዓቅቦ፣ ደላይ ለውጢ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። ብኻልእ መዳይ ድማ መንግሥታት ኣባላት ኅብረት ኤውሮጳ ኣብ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ፖለቲካኦም ኤውሮጳውነት ዘየንጸባርቕ ብምዃኑ ዘኸተሎ ዘሎ ዕቃቤ ተሳታፍነት ኢዩ” ኢሎም።

“ናይ ሹማን ስምምዕ ዋሳኔ፣ ሃገረ ኤውሮጳ ከማኡ ድማ ናይ ሕዝብታት ኤውሮጳ ዝብል ስነ ሓሳብ ዝገልጾ ኤውሮጳውነት እናቐሓመ ኢዩ ዘሎ፣ ምእንቲ’ዚ ምትሕብባርን ምድግጋፍን የድሊ፣ መሠረት ኅብረት ኤውሮጳ ኤኮኖሚያዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ፖለቲካውን ማኅበራውን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ምስ ዝረጋገጽ ጥራሕ ኢዩ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ይኹን ካልኦት ዓበይቲ ጸገማት ብናይ ሓባር መልሲ ብግቡእ ክፍታሕ ዝኽእል” ኢሎም። “ናይ ፍልልያት ክቡር ዋጋ ናይ ኅብረት መሠረት ክኸውን ኣለዎ፣ ናይ የማን ናይ ጸጋም ወይ ድማ ናይ ማእከላውያን ናይ ፖሊቲካ ሰልፍታት ደገፍቲ ቅድሚ ምዃንና ሕዝብታት ኤውሮጳ ከም ዜጋታት ኤውሮጳ ክንሓስቡ ይግባእ” እንክብሉ ዝሓብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.