2009-06-11 20:55:29

ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሞስኮ


ንናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፅዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ናይ ቮሎኮላምስክ ሊቀ ጳጳሳት ሂላሪዮን ኣልፈየቭ ምስ ኢንተርፋክስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝገርዎ ቃለ ምልልስ ጠቒሱ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ RealAudioMP3 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ከምዝሓበሮ “ኣብ መደብ ሕንጸትን ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ናይ ሓዋርያዊ ኖልዎን ሱታፌ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማኅበራዊ ጉዳያት ኣመለኻኽታን ትግባሬኡን ዝምልከት ቲዮሎጊያዊ ግንዛቤ ኣብ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያናት ክጸንዕ ኣለዎ” ከምዝበሉ ተፈሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ሂላሪዮን “እቲ ዕለት 6 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ቻምበስይ ዝርከብ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ኦርቶዶስክ ሓድነታዊ ፓትሪያርክ ዝመሓደር ናይ መላእ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያና ማእከል ዝቕጽል ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያናት ሲኖዶስ ኣሰናዳኢ ቤት ምኽሪ ዘካይዶ ዘሎ ራብዓይ ኣኼባኡ ጠቒሶም፣ እቲ ሲኖዶስ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ናይ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያናት ዘሎ ምግምማዕ ንምውጋድ ነቲ ፍልልያት መምዩ ናብቲ ኣብ ናይ ሓይማኖት መሪሕ ትምርህቲ ዝቖመ ሓድነት ዝመርሕ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.