2009-06-11 20:53:24

ርእይቶ ብፁዓን ጳጳሳት ሊባኖስ ኣብ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ሃገሮም


ኣብ ሊባኖስ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ፣ እቲ ናይ ምዕራባውያን ሥርዓት ፖለትካ ዘንጸባርቕ “መጋቢት 14” እተሰምየ ብወዲ እቶም ዕለት 14 የካቲት 2005 ዓ.ም.ፈ ዝተቐትሉ መርሒ መንግሥቲ ራፊቅ ዝምራሕ ሥሙር ናይ ፖለቲካ ሠልፊ ካብቲ 128 ናይ ፓርላማ ወንበር 71 ወንበር ክዕወት እነክሎ፣ ናይ ኢራን ፖለቲካ ዘንጸባርቕ ብሔዝቦላህ ዝምራሕ ሥሙር ናይ ፖለቲካ ሠልፊ በቲ ምርጫ ከምእተሰዓረ ተፈሊጡ። RealAudioMP3

ዝተፈላለዩ ናይ ፖሊቲካ ተንተንቲ፣ ናይቲ ዝተኻየደ ምርጫ ውጺኢት፣ ኣብ ሊባኖስ ናይ ሓገራዊ ሓድነት መንግሥቲ ክቐውም ከምዘለዎ ዝዕድም ኣዩ ኢሎም። እቲ ናይ ሃገራዊ ሓድነት መንግሥቲ ከምቲ ዝሓለፈ መንግሥቲ እቶም ሚኒስትራት ኣባላት ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሠልፊ ኣባላት ዝሓለፈ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ዘኽእሎም ድምጺ ብድምጺ ናይ ምእጋድ መሰል ዘይብሎም ኮይኖም፣ ዝጽንበርሉ መግንሥቲ ክቐውም ዝድርኽ ምዃኑ ይዛረቡ።

ኣብ ሊባኖስ ናይ ኣንጽዮኪያ ማሮናዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ፒየር ናስራላሕ ስፈይር “ናይቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ውጽኢት ናይ ሕዝቢ ሊባኖስ ድላይ፣ መልሲ ኢዩ” ኢሎም። ኣብ በይሩት ናይ ከለዳዊት ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሚሸል ካሳርጂ “እቲ ሕዝባዊ መረጻ ኣብ በይሩት ዝነበረ ውጥረት ዘወግድ ኢዩ ቢሎም፣ እዋኑ ኩለን ናይ ፖሊቲካ ሠልፍታትን እስላማይን ክርስትያንን ብሓባር ኣብ ሊባኖስ ናይ ሓባር ምዕባለ ንኽረጋገጽ ሓቢሮም ዝዓይሉ ኢዩ። ምርጫ ተኻይዱ ኢዩ ውጽኢቱ ድማ ስለ ዝተፈልጠ ናይ ሊባኖስ ሽግር ተቐንጦጡ ኢዩ ቢልካ ምሓሳብ ጌጋ ኢዩ። ኵሉ ብሓባር ንናይ ሓባር ጥቅሚ ክተግህ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ ገሊጾም። ኣብቲ ናይ ብዙኅንን ናይ ውኁዳንን ሥሙር ናይ ፖለቲካ ሠልፍታት ዝርከቡ ክርስትያን ማኅበረሰብ ድልድል ናይ ስምምዕ ክኾኑ ሓደራ ከምዝበሉ” ተገሊጹ። ኣብ በይሩት ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ዳህዳህ “እቲ ኣብቲ ሕዝባዊ መረጻ ዝተዓወተ ናይ ብዙኃን ናይ ፖለቲካ ሠልፊ ናይ ሊባኖስ ሓድነት ውሑስ ክኸውን ምስቲ ናይ ውኁዳን ናይ ፖለቲካ ሠልፊ ክተሓባበር ድላይ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ” ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.