2009-06-09 17:04:25

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ውቅያኖሳት


ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ውቅያኖሳት ትማሊ “ውቅያኖሳትና ሓፋነትናት” ብዝብል ጭርሖ ተሰንዩ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ። ነዛ ዕለት እዚኣ መሠረት ብምግባር ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን፣ እዛ ዕለት እዚኣ ብዛዕባ ውቅያኖሳት ዝግበር ሳይንሳዊ ምርምራትን ዝወሃቡ ህንጸታትን ዘተባብዕን፣ ኣፍልጦ ብዛዕባ ውቅያኖሳት ክብ ክብል ዝድርኽ ኢዩ ከዝምበሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ጄኖቫ ናይ ዝርከብ ንናይ ማያት ባሕርን ሃብቲ ባሕር ዝሓሊ ማሕበር ዋና ጸሓፊ አንቶኒዮ ዲ ናታለ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ዕለት ውቅያኖሳት ዕለት ማይ ባሕሪ ኢዩ” ቢሎም፣ ጥዕና ሃብቲ ባሕሪ ንገዛእ ርእሱ ጥዕና ማያት ባሕሪ ብምሕላው ካብ ብከላ ምድሓን ድላይ ናይ ኩለን ሃገራት መንግሥታትን ሕዝብታትን ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም። “ማያት ባሕሪ ከም መእከቢ ጎሓፍ ዝጥቀምሉ ውሑዳት ኣይኮኑ፣ ብሓገራትን ብጉጅለ ገበነይናታት ደረጃ ዝፍጸም እውን ኢዩ። ስለዚ እዚ ዓይነት ብከላ ውቅያኖሳትን ማያትን ዘስዕቦ ሽግር ንግዜኡ ቀሊል እንተመሰለ ንሓዋሩ ከቢድን ሳዕቤኑ ዝገደደ ከምዝኸውን ዘየጠራጥር ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ “ጥዕና እነንብረላ መሬት ኣብ ሓደጋ ወዲቝ ከምዘሎ ብምርዳእ፣ ኵሉ ብሓባር ከኽብራን ክከላኸላን ሓላፍነትን ግዴታን ኣለዎ” እንክብሉ ክንክን ጥዕና ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ዘኽብርን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ዝብክል ግቡእ ፍርዱ ክረክብ ዝከታተል ዋሕስ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ኣብ ኤውሮጳ ክቐውም ዝሓትት ናይ ደገፍ ክታም ንምእካብ ናይ ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ምስክር ናይ ሰለማ ኖበል ተሸላሚ አዶልፎ ፐረዝ ኤስኪዌቨልክ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.