2009-06-09 16:58:05

መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ’ታ ሃገር ሰላም ክረጋገጽ ዝሓትት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ተገሊጹ። ናይ ኮንጎ ከባቢ ቡካቩ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሃገሮም ማኅበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ብምግምጋም፣ መንግሥቲ እቲ ኣብታ ሃገር ዝርኤ ዘሎ ስእነት ቅሳነትን ሰላምን ንኽውገድን ሰላም ንምህናጽ ዘኽእሉ ውሳኔታት ክሕንጽጹን ኣብ ግብሪ ከውዕሉን” ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ብጹዓን ጳጳሳት ኣብቲ መልእኽቶም “ናይ ኮንጎ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ሰሜንን ደቡብ ኪቩ ከባቢ ዝረከቡ ናይ ርዋንዳ ተቓወምቲ ንምጥፋእ ስርሒት ኪምያ ክልተ ብዝብል መለለዪ ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ናይ ኮንጎ ኃይሊ ምክልኻል ውሽጢ ዘሎ ምስሕሓብ ከግድዶን፣ እቲ ወጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ክተኣታተው ስለ ዝኽእል፣ ከቋርጾ ከምዝጸውዑ ተሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም “ናይ ሰራሕተይናታትን ናይ ኵሉም ኣገልግልቲ ሓገርን ሕዝብን ወርሓዊ ደሞዝ ምስቲ ዘሎ ናህሪ ምኽባር መነባብሮ ክመዓራረ ንመንግሥቲ ሓደራ” ቢሎም፣ “ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ኣብ ጥቕሚ ሓገርን ሕዝብን ኣክንዲ ምትጋህ ኣብ ናይ ግሊ ረብሓኦም ከምዘተርኮሩን ገሊጾም፣ እዚ ዓይነት ምግባረ ብልሽውና ክእለ ኵሉ ሓላፍነቱ ክኽብርን ግቡኡ ክፍጽም ኣለዎ” ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። “ናይ ዜጋታት ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ንናይ ሃገር ምዕባለን ሰላምን መሠረት ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.