2009-06-06 14:23:43

አምባሳደር እስራኤል አብ ቅድስቲ መንበር፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት አብ ዮርዳኖስ እስራኤልን ርእሰ ምምሕዳር ፍሊስጢኤምን ሓዋርያዊ ዑደት አካይዶም ከም ዝነበሩ ክዝከር ከሎ፡ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ መንግስቲ እስራኤል አምባሳደር ሞርደቻይ ለቪ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ እስራኤል ዘካየድዎ ምብጻሕ ታሪኻዊን ህዝቢ እስራኤል ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓቢ ክብሪ ከም ዘለዎ ዘረጋገጸን ከም ዝነበረ መግለጺ ሂቦም አሎዉ ፡

አምባሳደር እስርኤል አብ ቅድስቲ መንበር ሞርደቻይ ለቪ ነዚ መግለጽ”ዚ ዝሃቡ ፡ መሓዙት ኤስያን መዲተራንያንን ዝተባህለ ካቶሊካዊ ትካል አብ ዘዳለዎ ፡እስራኤል እብራዊነትን ዲሞክራስን ሰይሙ አብ ዘዳለዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ተረኺቦም ከም ዝኾነ ይምልከት።

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ እስራኤል ዘካየድዎ ሓዋርያውን ውግዓውን ምብጻሕ ነቲ አብ መንጎ እስርኤልን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ርክብ ዘደልድል ዝተፈላለዩ መኸላእታታት ዝተሳገረ ታሪካዊ ተረክቦ ከም ዝኾነ እቶም አምባሳደር ከም ዝገለጹ ካብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ቦታ ዝተረኽበ ዜና አገንዚቡ።

በቲ ዜና መሠረት አብ ርእሲ”ዚ ኢሎም አምባሳደር ሞርደቻይ ለቪ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ አዎንታዊ አስተውጽኦ ዝህብ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.