2009-06-06 14:29:21

ናይ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ፕረሲደት ባራክ ኦባማ አብ ጀርመን፡


ናይ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ መራሒ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ፣ ስዑድ ዓረብን ምስርን ከም ዝበጽሑን አብቲ አብ ካይሮ ዝርከብ አል አዝሃር ዩኒቨርሲቲ እስላማዊ ዓለምን አመሪካን ዘተኮረ ዲስኩር ከም ዝገበሩ ክዝከር ከሎ፡ ትማሊ ጀርመን ከም ዝበጽሑን ምስ ቻንስለር አንጌላ መርከል ከም ዝተራኸቡን ካብ ርእሰ ከተማ በርሊን ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

በዚ ካብ በርሊን ዝመጸ ዜና መሠረት ፡ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማን ቻንስለር አንጌላ መርከልን መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ከምኡ ክአ ኑክሌራዊ አጽዋር ውግእ ኢራን ብዚምልከቱ ጉዳያትን ካልእን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም ።

ናይ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ መራሒ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ብተመሳሳሊ ፈረንሳ ክበጽሑን ምስ ፕረሲደንት ኒኮላስ ሳርኮዚ ክራኸቡን ትማሊ ምሸት ፓሪስ ከም ዝአተዉ እዚ ካብ ከተማ በርሊን ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.