2009-06-04 16:23:52

ፍትሕን ሰላምን ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሠረታዊ መሰልን ፍቓድን ንኽረጋገጽ


ኣብ ታንዛኒያ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዝርኤ ፍልልያት መነባብሮ እናገደደ፣ እቲ ድኻ ክፍሊ ኅብረተሰብ ናብ ዝገደደ ሕሱም ድኽነት፣ እቲ ሃብታም ከአ ኣዚዩ ንኽህብትም ይድርኾ ከምዘሎ ተመልኪቱ። RealAudioMP3 ናይ’ታ ሃገር ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ማኅበራዊ ናብራ ክህወኽ ከምዝኽእል ነቲ ኣብ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ’ዛ ሃገር ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፣ “ፍትሕን ሰላምን ብሕልፊ ድማ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሠረታዊ መሰልን ፍቓድን ንኽረጋገጽ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ዜጋዊ ግቡእነት ብዝምልከት ቤተ ክርስትያን ታንዛኒያ ናይ ሕንጸት መደብ ከምዝቐረበት” ኣፒክ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ናይ ታንዛኒያ ብፁዓና ጳጳሳት ናይ ሓበር መልእኽቲ’ዚ ታንዛኒያ ናብ ርእሰ ማልነት ሥርዓት ተድህብ ከምዘላን ጠቒሶም መንግሥቲ ነቲ ናይ ታንዛኒያ ዝተመዓራረየ ምዕባለ ከይሕሉ ዝገብር ናብ ርእሰ ማልነት ዝድርኽ ኣብ ናይ ሓገር ቅዋም ዘለዉ መምዘንታት መሊሱ ክርእዮምን ክሕድሶምን ሓደራ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት። ቤተ ክርስትያን ታንዛኒያ መንግሥቲ ናይ ማሕብራዊ ፖለቲካኡ ክዕርይን ናይ ሕዝቢ ብሕልፊ ድማ ናይቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ዜጋታት መነባብሮ ንኽመሓየሽን ነቲ ንውሑዳት ሃብታማት ጥራሕ ዝድግፍ ዓይነት ከይዲ ኤኮኖሚያዊ ፖለቲካ ክልውጦ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ክምዘተሓሳሰቡ ኣፒክ ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.