2009-06-04 16:25:15

ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማኅበር


RealAudioMP3 ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማኅበር ኣብ ዓለም ዝርኤ ድኽነትን ጥምየትን እዚ ድማ ንልዕሊ ሓደ ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ዘጥቅዕ ዘሎ ስእነት መግቢ፣ ንምንካይን ንምውጋድን ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ርእሰ ማል ምውፋርን ምሕርቲ ሕርሻ ክብ ምባልን ኣገዳሲ ምኻኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝጸወዖ ዓለም ሓቆፍ ኣኼባ ከምዝተገልጸ ተሓቢሩ።

“ነቲ ዝርኤ ምዝባዕን ብከላን ከባቢ ኣየር ንምግጣም ገደ ልምዓት ሕርሻ” ብዝብል ኣርዕስቲ ተሰንዩ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ፣ ናይዚ ማሕበር ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ኣሌክሳንደር ሙለር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ “እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታኅሳስ ብዛዕባ ክንክን ከባቢ ኣየር ኣብ ኮፐንሃገን ዝግበር ሓድሽ ናይ ውሳኔ ስምምዕ፣ ኩለን ሃገራት ክተሓባበራን ኣብዚ ክንክን ጥዕና ከባቢ ኣየር ግደ ናይ ሕርሻ ልምዓት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክረጋግጻን” ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ፣

ብዛዕባ ክንክን ከባቢ ኣየር ጉዳይ ኣብ ዝዝቲ መድረኽ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ወኪል ፐተር ሆልምግረን እቲ ናይ ሙለር ሓደራ ደጊሞም ብምቅላሕ “ናይ ሕርሻ ልምዓት ክብ ክብል ናይ ኩለን ሓገራት ድላይ ፖሊቲካ ኽኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.