2009-06-04 15:15:46

ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ አብ ማእከላይ ምብራቅ


ፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ አብ ካይሮ አብ አልአዝሃር ዩነቨርሲቲ ተረኺቦም ብዛዕባ’ቲ አብ መንጎ መንግሥቲ ኅቡራት መንግስታት አመሪካን ዓቃባውያን መራሕቲ ሃገራት አስላምን ዘሎ ዘይምቅዳው ክፍውስ ዝኽእል ዲስኩር ገቢሮም።

እቲ ንመላእ አስላማዊ ዓለም ዝጠመተ አብ ካይሮ አል አዝሃር ዩኒቨርሲቲ ዝገብርዎ ዲስኩር፡ ናይ ሓባር ምርድዳእ ዝፈጥር ንጹርን አብ ሐቂ ዝተመሥረተን ዲስኩር ከም ዝኾነ ተመልኪቱ። ህሉው ኩነታት ዒራቅ አልዒሎም፣ ዒራቅ ደቂ ሰባት አብ ክንዲ ኃይሊ ዲፕሎማሲ ክጥቀሙ ከም ዝመሃረ አመልኪቶም፡ ብዝከአል መጠን ጉዳይ አፍጋኒስታን ክአ እንተኾነ ብዲፕሎማሲ ክፍታሕ ከም ዝደልዩ፣ ብዛዕባ’ቲ ታሪኻዊ ዝብሃል ግጭት ፍሊስጢኤም-እስራኤል ክአ ክልተ ርእሰን ዝኽአላ ሰላማውያን ጐረባብቲ ፓለስጢናን እስራኤልን ከምጽእ ዝኽእል ሰላማዊ መስርሕ ከም ዚካየድ ጠቂሶም። አኽረርቲ ምስልምና ዝጥቀምሉ እንተዘይኮይኑ አብ መንጎ አመሪካውያንን ሃይማኖት ምስልምናን ቅርሕንቲ ከም ዘየሎ፡ አመሪካ ባህልን ልምድን ምስልምና ከም ተኽብር ከም ዝገለጹ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

መንግሥትን ህዝብን አመሪካ ፀረ ምስልምና ወይ ክአ አስላም ከም ዘይኮነ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ አጽኒዖም ነቶም አብ ካይሮ አል አዝሃር ዩኒቨርሲቲ ዝተአከቡ ሰበሥልጣናንን ዕዱማትን ከም ዝገለጹሎም ተተሐሒዙ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

እቲ አሎ ዝበሃል ዘይምርድዳእ ብሐደ ዲስኩር ከም ዘይፍታሕ ብዙሕ ዲፕሎማስያዊ ጸዓት ከም ዘድልዮ ናይ ቤተመንግሥቲ አመሪካ ውሃቢ ቃል ሮበርት ጊብስ መግለጺ ከም ዝሃቡ ክምልከት ከሎ፡ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ቅድሚ ዲስኩር ምግባሮም ምስ ናይ ምስሪ መራሒ ፕረሲደንት ሑስኒ ሙባራክ ከም ዝዘትዩ ተፈሊጡ አሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ አል መስሪ አልዮም ዝተባህለ ጋዜጣ ምስሪ ከም ዘመልከቶ ፡ ምብጻሕ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ምስሪ ብምቅዋም አዕገርጊሮም ዝተባህሉ አባላት አል አኽዋን ሙስሊምን ከምኡ ክአ ካልኦትን ሰባት ብፖሊስ ከም ዝተታሕዙ ይምልከት።

ብመሠረቱ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ አብ አል አዝሃር ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ዝገበርዎ ዲስኩር ብብዙሕ አብ ምስልምና ዝአምን ህዝቢ አድናቆት ከም ዝረኸበ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.