2009-06-02 15:58:05

ኢራን


RealAudioMP3 ኢራን ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ ናይ ኑክሊየር ቦምቢ ንኽህልዋ ዘኽእላ ቀዋሚ መጋበርያ ክትውንን ዝከኣል ምዃኑ ሓደ ናይ እስራኤል ናይ ስለላ ኣባል ዝኾኑ ጀነራል ኣብ ናይ እስራኤልን ጉዳይ ምኽልኻል ሓገርን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዝሓሊ ናይ ፓርላማ ድርገት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ከምዝሓበሩ ተገሊጹ።

እቲ ናይቶም ጀነራል መገልጺ ከምዝሕብሮ፣ ኢራን ሓይሊ ኑክሊየር ንምውናን እተርእዮ ዘላ ቅልጣፈ ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ዘሻቕልን ከምዝኾነ የመልክት። ናይ ኢራን ናይ ኑክሊየር መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ምስ ናይዛ ሓገር መንግሥቲ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ዘካይድ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ጉጅለ ልኡካን ኢራን ንውናኔ ኑክሊየር ኣጽዋር እተርእዮ ዘላ ናህሪ ዘተሓሳብ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ክሳብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ዘሎ እዋን ናይ ኑክሊየር ቦምብ ክትውንን ከምእትኽል ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.