2009-05-31 19:23:31

ዓመት ኢዩቤል ቅዱስ ጳውሎስ


RealAudioMP3 ለብዘበን ዝብዕል ዘሎ ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ጵውሎስ ምኽንያት ሎሚ ካብ መላእ ኢጣሊያን ካብ ፈረንሳን ጀርመን ኣየርላንድን ሰፐይንን ሃንጋርን ክሮአዚያን ሬፓብሊክ ቼክ ዝተዋጽኡ 5 ሺሕ ተመሃሮ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ተግባርን ናይ ኢጣሊያ ቅርንጫፉን ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ ንግደት ንኽሳተፉ ሮማ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

እቶም ተመሃሮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ “መንእሰያት ከም ጳውሎስ ልኡካነ ወንጌል” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተሳተፉን ቀጺሎም ኣውን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምእተራኸቡን ተሓቢሩ። ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝነገዱን ኣብቲ ናይ ኣሕዛብ ስብከት ወንጌል ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኢቫን ዲያስ ዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እውን ከምእተሳተፉን ተገሊጹ።

ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ፓዶቫ ብምኽንያት ዓመት ኢዮቤል “ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መገዲ ደማስቆን ሓድሽ ምዕራፍ ሕይወትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሕይወት ካብ መጀመሪያን ክሳብ ናይ እምነት ሰማዕትነት ዝተቐበለሉ ታሪኹ ዝትርኽ ክሳብ ዕለት 21 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዝቕጽል ናይ ስዕሊ ምርኢት ትማሊ ብወግዒ ከምእተኸፍተ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.