2009-05-31 19:23:51

ሳዕቤን ቁጠባዊ ቅልውላው


RealAudioMP3 እቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ኣብ 2009 ን 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ንልዕሊ 50 ሚሊዮን ዝግመቱ ንስእነት ሥራሕ ከቃልዕ ምዃኑ ሕቡራት መንግሥታት ቅልውላው ኤኮኖምን ሠራሕተይናታትን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ የመልክት። እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ቁጠባ ቁልውላው በዚ ዘለዎ እንተድኣ ቐጺሉ ናይቲ ብስእነት ሥራሕ ዝጥቃዕ ሕዝቢ ብዝሒ ብዕጽፊ ክብ ክብል ከምዝኽእል እቲ ሰነድ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም የመልክት።

እዚ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግሥታት ብዕሊ ዝቐረበ ሰነድ፣ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ምኽንያት መንቀሊኡ ዝማዕበላ ሓገራት ክነሰን ኣብ ጎደና ምዕባለ ናይ ዝረከባ ሃገራት ኤኮኖሚ ኣዚዩ ከምዝሓሰስይ ገሊጹ፣ ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ. ምዝባዕ ናይ ዓለም ኤኮኖሚ 2.6% ከምዝኸውን፣ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ናይ ዓለም ንግዲ ብ 40% ሕጽረት ከምዘጋጠሞ ተገሊጡ።

እዚ ቅልውላው ኤኮኖም ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ክዝንጋዕ ይድርኽ ከምዘሎን፣ ቅድሚ ትማሊ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ምርግጋጽ ዝሓሊ ማኅበር ቅልውላዊ ኤኮኖምን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ ከምዘሓበረ ተገሉጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.