2009-05-29 08:47:35

ዓመት ክህነት

 


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝኣወጅዎ ዓመት ክህነት ዕለት 19 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዓመት ምእንቲ ቅድስና ካህናት ክጽለ ዘተባብዕ ኮይኑ ር.ሊ.ጳ. ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ክጅመር ምዃኑ ተሓቢሩ።

ነዚ ዓመት ክህነት ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ዳብሊው ዳብሊው ዳብሊው ኣኑሳቸርዶታሊስ ነጥቢ ኦርግ ብዝብል ኣድራሻ መርበብ ሓበሬታ ከምእተሠረሓ እውን ተገሊጹ። ብዛዕባ ጉዳይ ካህናት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ፣ ዓመት ክህነት ኣመልኪቶም ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካህናት ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ “ኣብ ዕለታዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ሕጕሳትን ቅዱሳትን ፍሱሃንን” ክኾኑ ዘተባብዕ ኣብ ጸዋዕታኦም ተቐዲሶም ዝቕድሱን ክኾኑ ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ። ዓመት ክህነት ዕለት 19 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣብ ዝብዕለሉን ቅዱስ ዮሓንስ ማሪያ ቪያነይ ዝዓረፈሉ መበል 150 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት፣ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝዕርገዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ክጅመር ኢዩ። በታ ዕለት እቲኣ ቅዱስናኦም ንቅዱስ ዮሓንስ ማሪያ ቪያነይ ሓላዊ ካህናት ቢሎም ክሰምዮ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

“ካህናት ብዝገብርዎ ዘይኮነስ ብምዃኖም ናይ ዕለታዊ ናብራ ተሳተፍትን ኢዮም፣ ስለ’ዚ ብገለ ገለ ኣብ ጸዋዕታኦም ብዝደኽሙ ካህናታ ብዘርእይዎ ጉድለታት፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ገዛእ ርእሶም ሰዊኦም ብእምነትን ጸሎትን ተጊሆም ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ መላእ ውሉደ ክህነት ጅምላዊ ፍርዲ ምሃብ ጌጋ ኢዩ። ጸዋዕታኦም ተልእኾኦምን ብመዓልታዊ መሥዋዕትነት ንክርስቶስ ዘለዎም ፍቕሪን ንድኻታትን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡን ቀረባን ተሓባባርነቶም እናመስከሩ፣ ብሕሱም ድኽነት እውን እናተፈተኑ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዝፍጽሙ ኢዮም፣ ቤተ ክርስትያን ድማ በዞም ካህናት እዚኦም ሕብንቲ ኢያ” ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ብፁዕነቶም ቀጺሎም፣ “እዚ ዓመት ክህነት እምበኣርከስ ትርጉምን መንነት ክህነት ኣብ ቤተ ክርስትያንን ማኅበረሰብን ንምርዳኡን ንምትንታኑን ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታትን ናይ ኣስተንትኖን ጸሎት መደባትን ናይ ቲዮሎጊያን ምርምር ሰሙናት ክካየዱን ናይ መጽናዕቲ ሰነዳትን መጻሕፍትታትን ክድረሱ ሓደራ ቢሎም፣ እዚ ድማ ነቲ መጓሰይ ቀረባን ዓርኵን ክኾኑ ምሳኡ ዘለዎም ኅብረት ከማዕብሉ ዝድርኾም ኢዩ። ካብቲ እግዚኣብሔር ንካህናት ከምዘፍቕር ካብ ዘለዎም ርግጸይናነት ዝምንጭ ክርስትያናዊ ሓጐስ ብግብሪ ከመሓላልፉ እላበው” ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.