2009-05-29 08:47:58

ዓመት ስነ ከዋኽብቲ


RealAudioMP3 ዩኔስኮ ናይ ኅቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ጥበብን ባህልን ማሕበር ብ 1609 ዓ.ም.ፈ. ጋሊለዮ ጋሊለዪ ብዛዕባ ስነ ከዋኽብቲ ምርምርን ሳይንሳዊ ትዕዝብቲ ዝፈለመሉ በመል 400 ዓመት ምኽንያት ለብዘበን ዓመት ስነ ኮዋኽብቲ ኮይኑ ኽሕሰብ ከምዝወሰነ ክዝከር እንከሎ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ “ጉዳይ ጋሊለዪ” ብዝብል ኣርስቲ ዝተመርሔ ኣብ ኢጣሊያ ፊረንዘ ከተማ ናይ ጋሊለዮ ጋሊለዪ መጽናዕቲ ብስነ ታሪኽን ፍልስፍናን ቲኦሎጊያን መሠረት ንኽንበብ ዘተባብዕ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብቲ ጋሊለዮ ጋሊለዪ ዝተቐበረሉ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ መስቀል ናይ ስነ ከዋኽብቲ ተመራመርትን ናይ ቲዮሊጊያን ፍልስፍናን ታሪኽ ሊቃውንትን 18 ናይ መንግሥቲ ላዕለዎት ኣካላት ዝሳተፍሉ ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ስተንሰን ዘዳለዎ ዓውደ መጽንዕቲ ቅድሚ ትማሊ ብዕሊ ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብኄር ጆርጆ ናፖሊታኖ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ “እዚ ዓይነት እሞ ኸኣ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታን ዘለዎም ሓናጽን ክፉትን ናይ ስነ ምርምር ሓሳብ ምልውዋጥ ዘለዎ መድረኽ ከካይዱ ምርኣይ ዝድነቕ ኢዩ” ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ናይ’ዚ ዓውደ መጽናዕቲ ኣሰናዳኢ ኣባ ብሮቨዳ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ “ኣብ መንጐ ቤተ ክርስትያንን ስነ ምርምርን ዘሎ ርክብ፣ ኣብ ምትሕብባር ዝተመሥረተ ህድኣት ዘለዎ መታን ክኸውን ብሕልፊ ድማ ናይ ስነ ምርምር ግብረ ገብ ከይዝንገዕ ዘተሓሳስብን ኢዩ” ከምዝበሉ ክፍለጥ እንከሎ። ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዕዮ ዘጀመሩ ናይ ሳይንስ ፍልስፍና ሊቅ ፓውሎ ሮሲ፣ ጳጳሳዊ ናይ ሳይንስ ተቛም ሊቀ መንበር ኒኮላ ካቢቦ ምዃኖም ተገሊጹ።

ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ተመራመትን ሊቃውንትን ዝሃበቶ ኣሉታዊ ውሳኔታት ብምጥቃስ ይቕረታ ከምዝሓተቱ ፕሮፈስሮ ሮሲ ዘኪሮም፣ ናይ ጋሊለዮ ጋሊለዪ ናይ ሳይንስ መጽናዕትታቱን ሳይንሳዊ ክልስ ሓሳቡን ዳግም ናይ ቤተ ክርስትያን ተመራመርቲ ከጽንዕዎን ክትንትንዎን ቤተ ክርስትያን ከምእተተባብዕን ከምዝገለጹ ተሓቢሩ። ፕሮፍፈሶር ኒኮላ ካቢቦ ሳይንስን እምነትን ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ እንከቕርቡ እምነትን ሳይንስን ነንሕድ ሕዶም ዝመላልኡን ዝደጋገፉን እምበር ዝቃረኑ ከምዘይኮኑ ብገፊሑ ከምዘረድኡ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.