Home Archivio
2009-05-29 09:06:32
ሥራሕ ምፍታው ጽቡቅ ምልክት ኢዩ።
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘቅረብዎ ሰሙናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ ዓለም ንሥራሕ ሰብኣውነት አልቢሱ ካብ ባርነት ድኽነት ነጻ ኪውጽእ እንተኾይኑ ርእሰ ቝጽጽርን ምክባር ሕግታትን ከተገብር የድልዮ ብምባል አተሓሳሰቡ።
ቅዱስነቶም ናይ ትማሊ አስተምህሮኦም መሠረት ዝገበሩ ኣብ መንጎ ሻምናይን ታሽዓይን ዘመን ባይዛንቲን ዚነብር ዝነበረ መንኮስ ቅድስ ተዮዶር ገዳማዊ እንኪኾን፣ ኣብ’ዚ ኣስትምህሮ’ዚ ልዕሊ ዕሥራ ሺሕ ዝኾኑ ምእመናን ከምዝተሳተፉ ተመልኪቱ።
ቅ. ተዮዶር ገዳማዊ ኣብ ዓውዲ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዝሃቦ ቀንዲ ኣበርክቶ ኣንጻር ምስሊ ቅዱሳን ዝተላዕለ ካልአይ ስደት ብዕቱብ ምቅዋምን፣ ሥርዓተ ደንቢ ገዳማዊ ሕይወት ምሕዳስን ከምዝኾነ ገሊጾም።
All the contents on this site are copyrighted ©.