2009-05-29 08:48:24

ምኽባር ክቡር ዋጋ ሕይወት


RealAudioMP3 “ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ብዘይ ዋጋ ዕዳጋን ማእከላይ ስምምዓትን ክሕሎን ክኽበር” ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቛም ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲኬላ መበል 10 ዓመት ምሥረታ ማሕበር ደጋፊ ሕይወት ኣብ ሮማ ምኽንያት ንዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምምራሕ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዝገለጹ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ፊሲኬላ ኣብ ዘስሞዕዎ ስብከት፣ “እዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ’ዚ እቲ ማኅበር ደጋፊ ሕይወት መበል 10 ዓመት ምሥረታኡ ንምዝካር ዘይኮነስ፣ ንክቐውምን ምእንቲ ሓልዮት ሕይወት ነዘቕርቦ ደገፍን ኣስተምህሮን ምኽንያት፣ ነቲ ናይ ሕይወት ጐይታን ፈጣሪን ፍጻሜ ሕይወትን ንዝኾነ እግዚኣብሄር ንምምስጋን ኢዩ ከምዝበሉ ዜኒት ሓቢሩ።

እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ናይቲ ዝፈጠሮ ሕይወት ምሉእ ብምሉእ ተሳታፊ ኮይኑ ባሪኽዎን ክብ ኣቢልዎን ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ሕይወት ዝተቐደሰን ናይ ሕይወት ጐይታ እግዚኣብሄር ምዃኑን ኣሚንና ሕይውት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባሕርያዊ ሞት ክኽበር ኣለዎ ኢሎም። መሠረት ናይዚ ክቡር ዋጋ’ዚ ድማ እግዚኣብሔር ኢዩ፣ ቢሎም ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ቅድሚት ከምእትሥራዕን ሓቢሮም፣ ምኽባር መሰልን ፈቓድን ናይ ሕይወት ክቡርነት ዘረጋገጽ ክኸውንን ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞትን ዝምልከት ምሉእ ምኻባር ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ኵሉ መዳይ ከምእተስተምህርን ምእንቲ ክብሪ ሕይወት ድማ ከምእተጣበቕን ናይ ርእሳነ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተፈላለዩ ዓዋዲ መልእኽትታትን ታሪኽ ቤተ ክርስትያንን ትምህርትን ዝምስክሮ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.