2009-05-26 16:45:04

ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ


RealAudioMP3 ብቅዱስ ኤጂዲዮ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ማኅበር ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ጊዚያዊ ምቁራጽ ናብ ምሕኻዅን ፈጺምካ ምውጋዱን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ናይ ፍትሕን ሕግን ሚኒስትራትን ዘሳተፈ ዓለም ሓቆፍ ራብዓይ ጉባኤ ኣብ ቶጎ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

ናይ ቶጎ ናይ ሕግን ፍትሕን ሚኒ. ኮኩ ቢዮሰን ኮኔ ኣብ ቀረባ ኣዋን፣ ኣብ ቶጎ ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ጊዚያዊ ምቁራጽ ናብ ፈጺምካ ምውጋድ ውሳኔ ከምዝብጻሕን፣ ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ዝብል ዓንቀጽ፣ ክሕከኽ ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ምስ ናይ ቶጎ መንግሥትን ሕዝብን ብምትሕብባር፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ቶጎ ጸረ ናይ ሞት ፍርድ ባህሊ ንኽሰርጽ ዘካየዶምን ዘካይዶም ዘሎ ናይ ሕንጸት መደባትን ዝጠልቦም ዝተፈላለዩ ጉባኤታት ዘረጋገጾ ምዕባለ ባህሊ ኢዩ ከብምዝበሉ ተፈሊጡ።

ጊዚያዊ ምቁራጽ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝብል ውሳኔ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ተኻይዱ ዝነበረ ብድምጺ ናይ ምውሳን ጉባኤ ዝተሳተፈት ቶጎ ድምጸ ተዓቅቦ ገይራ ከምዝነበረት ክዝከር እንከሎ፣ እዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ እወታዊ ውሳኔ’ዚ ዘሕጉስ ምዃኑ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መገልጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.