2009-05-23 20:45:58

“መበቆል ኣይሁድ ቅዱስ ጳውሎስ”


RealAudioMP3 በቲ ለብዘበን ዝብዕል ዘሎ ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ጳውሎስ ምኽንያት “መበቆል ኣይሁድ ቅዱስ ጳውሎስ” ብዝብል ኣርዕስቲ ክካየድ ዝቐነየ ዓውደ መጽናዕቲ ትማሊ ኣብ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ተዛዚሙ። ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል ኣንድረያ ዲ ሞንተዘሞሎ ነቶም ነቶም ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተሳተፍቲ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ምሁራትን ሥነ ጳውሎስ ተመራመርትን ምሁራት ኣይሁድን ብዘቕረበዎ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ከምእተዛዘመ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ኣንደረያ ዲ ሞንተዜሞሎ ኣብቲ ዘስምዕዎ መልእኽቲ፣ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን እስራኤል ኣብ ናይ 1993 ዓ.ፈ. ናይ ሓባር መሠረታዊ ስምምዕ ዝቖሙ ርክባትን ስምምዓትን ዘርዚሮም። ኣብዚ ብጳጳሳዊ ግሬጎርያና መንበረ ጥበብን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ኣይሁድ መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ብዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ጳውሎስ ምኽንያት ዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ፣ መልእኽታትን ኣስተምህሮታትን ቅዱስ ጳውሎስ ኣይሁዳውን ናይ ኣይሁድ እምነት ሕንጸት ዝተቐበለን ምዃኑ ዘመልክት መሠረታዊ ዝርዝራቱ ዘንጸባርቕ ኣይሁዳዊ ሥነ ሓሳብ ሓቆፍን፣ ኣይሁዳዊ ሥነ ተስፋን ስነ ፍጻሜ ፍጥረትን ብሥነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንጸባረቐ ከምዝኾነን ሓፈሻዊ ጽሟቕ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.