2009-05-23 20:45:23

ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ሪታ


RealAudioMP3 ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ሪታ ትማሊ ብላቲን ሥርዓት ኣብ ኢጣሊያ ካሺያ ጳጳሳዊ ናይ ሥድራ ቤት ጉዳይ ዝኀሊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኤኒዮ አንቶኔሊ ብዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተዘኪሩ። ቅድስቲ ሪታ ታሪኽ ቅድስናኣ ኣብ ፍቕርን ምሕረትን ዝተመርኰዘ ኢዩ። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነት ተኸቲላ ካብ ሕነ ምፍዳይ ይቕረ ምባል ምልኣት ሓጎስን ዕጋበትን ከምዘለዎ ኣሚና ሕነ ክፈዲ እንተድኣ እሓስብ እለየ ነዚ ጸረ ምሕረትን ተጻይ ይቕረ ምባልን ዝኾነ ተግባር ካብ ዝፍጽም እግዚኣብሔር ክወስደኒ ይመርጽ ዝበለትን ነዚ ኣብ ግብሪ ዘውዓለትን ጓል ቤተ ክርስትያን ኢያ።

ቅድስቲ ሪታ ብ 1381 ዓ.ም. ከምእተወለደትን ብ.ሊ.ጳ. ሊዮነ ሻምናይ ዕለት 24 ግንቦት 1900 ዓ.ምፈ. ቅድስና ዝተኣወጀላ ምዃኑ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን የመልክት። ከምቲ ልሙድ ድማ በዚ ዓመታዊ በዓል ምኽንያት ብስማ ዝጽዋዕ ፍሉይ ሽልማት ኣብ ምፍቃርን ይቕረ ምባልን ዝተግሃን ነዚ ኢየሱሳዊ ሚዛን ክብሪ ኣብ ግብሪ ዘውዓላን እናቴ ማሪያ ላውራ ማይኔቲ ጓል ማኅበር ደናግል ደቂ መስቀልን፣ ንፊሊፒናዊት ዜጋ ፈርሚኒያ ሳክዳላንን ንኢጣሊያዊት ፓውላ ስቶካን ከምእተውሃበ ተሓብሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.