2009-05-23 20:46:41

ስደተይናታት ኣብ ኢጣሊያ


RealAudioMP3 ናብ ኢጣሊያ ዝውሕዝ ስደተይና ኣብ ጀርመን ቅድሚ 50 ዓመት ዝተራእየ ማሕበራዊ ተርእዮ ምዃኑ ይንገር። ነዚ ማኅበራዊ ተርእዮ’ዚ ንምግጣሙ ክልቲኤን ሃገራት ዝተኸተልኦ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ምኽንያት ፍልልይ ከምዘለዎ፣ ናይ ኢጣሊያ ናይ ምርምር ቤት ምኽሪ ነዚ ማኅበራዊ ተርእዮ’ዚ ብደረጃ መሥርሕ ኤውሮጳ ክጽናዕን መፍትሒ ክረክብን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ተመልኪቱ ይርከብ።

ኣብ ኢጣሊያ ዝነብሩ ስደተይናታት 4 ሚሊዮን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቲ ብዝሒ ድሕሪ 18 ዓመት ኣብ ብዝሒ ሕዝቢ ኢጣሊያ 0.6% ዝሽፍን ዝነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ 6.5% ከምዝሽፍን እቲ ሰነድ የመልክት።

ኢጣሊያ እዚ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ ተርእዮ’ዚ ንምምሕዳሩ በቢ ሠለስት ድዩ ኣርባዕተ ዓመት ነቶም ስደተይናታት ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንምሃብ ዝሃቀነ ጊዚያዊ መመርሒ ብምሕንጻጽ እንተዘይኮይኑ ቀጻልነት ዘለዎ ብቑዕ መምርሒ ክሕሉ ብዙሕ ፖሊቲካዊ ጻዕረ ከምዘይተገብረ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ድርገት ኣባል ኮራዲ ቤኒፋዚ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.