2009-05-21 18:26:25

ኣብ ኣማን ዘተ ካቶሊካውያንን እስላምን


ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝኃሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ብዛዕባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መጽናዕቲ ዘካይድ ተቛም ብሓባር ኣብ ኣማን ዘካየድዎ ናይ ካቶሊክን እስላምን ናይ ሓባር ዘተ ትማሊ ተዛዚሙ።RealAudioMP3

ናይ ካቶሊክ ሃይማኖት ልኡካን ዝመርሑ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝኃሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊ ቱራን ነቶም ናይ ምስልምና ሃይማኖት ልኡካን ዝመርሑ ናይ’ቲ ብዛዕባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘጽንዕ ተቛም ኣመሓዳሪ ሓሳን ኣቡ ኒማሕ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። እቲ ዘተ “ሃይማኖትን ማኅበረ ሰብን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ከምዝነበረ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ዝተኻየደ ሃይማኖታዊ ዘተ፣ ብናይ ኃባር መገልጺ ከምእተዛዘመ ተገሊጹ። “ሃይማኖት ስግረ-ፖሊቲካዊ ደረትን ጥቕምን ናይ ሥልጣን ድላይን ኮይኑ ኣብ ማኅበረሰብ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝኣመተ ኣበርክቶ ኣለዎ” ዝብል መርገጺ ኣብቲ ናይ ሓባር መገልጺ ተጠቒሱ ይርከብ።

“መንእሰያት ኣብ ናይ ምክብባር ሓድሕድን ኣብ ናይ ዘተ ባህሊ ክብርን ዝኾነ ይኹን ዓመጽ ክነጽጉ ዘኽእሎም ሕንጸት ክረኽቡን፣ በዚ መገዲ’ዚ ድማ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ምንቕቓሕ ኣገዳሲ ምዃኑ” ኣብቲ ናይ ኃባር መግለጺ ተገሊጹ ኣሎ። ኣድላይነት ዲሞክራስን መሰልን ፍቓድን ውሑስ ዝኾነሉ ኣብ ሰብኣዊ ነጻነትን ናይ ሃይምኖት ነጻነትን ማዕርነት ዜጋታት ዝኣምንን ናይ ውኁዳን ሃይማኖታትን ዓሌታትን ዘኽብር መግሥቲ ብምትንታን፣ ሃይማኖታት ንናይ ሰላማዊ ማኅበራዊ ሱታፌን ውኅደትን ክህሉ፣ ኣብ ምትሕብባርን ምክብባርን ምድግጋፍን መሠረታዊ መምርሒ ዝኣምን ማኅበረሰብ ኣብ ምርግጋጽ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ድማ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ከምዘገንዘበ፣ ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተጠቒሱ ኣሎ።

ናይ’ዚ ኣብ ሞንጎ ካቶሊክን እስላምን ዝተኻየደ ናይ ኃባር ዘተ ካልኣይን ናይ’ዚ ጉባኤ መቐጸልታን ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ሮማ ንኽካየድ ከምዝተወሰነ ተነጊሩ። ኣብ መደምደምታ እቲ ናይ ኣማን ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ቱራንን ልዑል አል ሓሳን ቢን ጣላልን ንተጋባእያን ዝሃብዎ ኣበርክቶ ብምጥቃስ ምስጋና ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.