2009-05-21 17:01:07

ንሰላም ቅ.መሬት ስምዒት ዓብላልነት ዘይኮነስ ኣብ ሞንጎ ኣመንትን ሕዝብታትን ሕድሕዳዊ ምክብባር ከምዘድሊ ተገሊጹ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮብዕ ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ሰሙናዊ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀርባ እዋን ናብ ቅ.መሬት ዝገበርዎ መንፈሳዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘኪሮም ብምዝርዛር ንሰላም ቅ.መሬት ስምዒት ዓብላልነት ዘይኮነስ ኣብ ሞንጎ ኣመንትን ሕዝብታትን ሕድሕዳዊ ምክብባር ከምዘድሊ ኣረጋጊጾም፣ ዝመጽእ ሰንበት ብዓለም ደረጃ ከቢሩ ክውዕል ዝኾነ ዓለም ሓቍፍ መዓልቲ ርክባት ጠቂሶም ድማ ብፍላይ መንእሰያት ንዘመናዊ ጥበብ ርክባትን ሓበረታን ስብከተ ቅ.ወንጌል ንምስፍሕፋሕን እምነቶም ንምምስካርን ንሃናጽን ኣዎንታውን ዕላማታት ክጥቀሙሉ ኣማሕጺኖም። RealAudioMP3








All the contents on this site are copyrighted ©.