2009-05-21 18:27:07

ናይ ሞስኮን መላእ ሩስያን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል


RealAudioMP3 ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኢስቨስቲያ ምስ እተሰምየ ናይ ሩሲያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ቤተ ክርስትያን ንትምህርቲ ሃይማኖት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወት ንዓለም መዓጹኣ ክትከፍት፣ ንደቂ ሰባት ቀረባ ክትኸውን ኣለዋ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

“ናይ ዘመንና ልኡካነ ወንጌልን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ሓቂ ፈሊጦም ሓቂ ከስተምህሩ ትሑዛት ኢዩም። እታ ዘለዓለማዊት ሓቂ ኣኽቢሮምን መገዶም ገይሮም እውን ሕላዌ ክርስቶስ ንዓለም ክምስክሩን፣ ክርስቶስ ናብ ኵሉ ከብጽሑ ይግባእ” ከምዝበሉ ተገሊጹ። ቀጺሎም ብዝሒ እቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉን ዝተጠመቑን ኣብ ሩሲያ ካብ 60 ክሳብ 80% ካብ ሚእቲ ከምዝኾነን፣ እቶም ክርስትናኦም ክነብሩ ዝፍትኑን፣ ሥርዓት ቤተ ክርስትያንን ትእዛዛትን ዘኽብሩን ኣብ ቅዱሳት ሚስጢራት ዝሳተፉን ግን ካብ 10 ክሳብ 12% ምኻኑ ዝገልጽ ዝቐረበ ኣኃዛዊ ጸብጻብ ጠቒሶም፣ ሃይማኖትካ ከም ባህሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ፈሊጥካዮን ናትካ ጌርካ ክትቕበሎን ኣብ ሕይውትካ ክትነብሮን ይግባእ። ብደጋዊ ሕይወት ጥራሕ ዘይኮነስ ብውሽጣዊ ሕይወትካ እውን ክርስትያን ምዃን የድሊ” ቢሎም “እግዚኣብሔር ዘይልወጥ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ማኅበረ ክርስትያን ንናይ ቤተ ክርስትያኖም ትምህርቲ ሃይማኖት እሙናት ክኾኑ ኣለዎም” ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.