2009-05-21 13:02:25

ብፁዕ አቡነ ማርከቶ አብዚ መዋዕል”ዚ ዝግበር ምዝመዛን ግህሰት ሰብአዊ መሰላትን ዘህፍር ከም ዝኾነ መግለጺ ሂቦም፡


ኣብ ሮማ ብማኅበረ ዮውሐንስ መበል ዕስራን ሠለስተን ዝተዳለወ አብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጸም አካላውን ስነ ልቦናውን ምዝመዛ ንምግታእ ዝአመተ አኼባ አብቲ አብ ፓርላማ ኢጣልያ ዝርከብ አዳራሽ ማሪኒ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ አሎ።

አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስደተኛታት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ አቡነ አጎስቲኖ ማርከቶ አብዚ አኼባ’ዚ ከም ዝተረኽቡ ክምልከት ከሎ፡ አቡነ ማርከቶ ኣብቲ አኼባ ክብሪ ወዲ ሰብ ብዝምልከት፣ ‘‘ተኽብሮን ተረጋግጾን ድአምበር አብ ዋጋ ዕዳጋ ዝአቱ አይኮነን። ገበነኛታት አብ ልዕሊ ብድኽነት ዝተጠቅዑን፡ ድኹም ማኅበራዊ ባህሊ ዘለዎምን ሰባት፡ ዝፍጽምዎ በብዓይነቱ ምዝመዛ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ክፍለ ዘመን ዘሕፍር ተግባር እዩ’’ ኪብሉ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።

ደቂ ሰባት ብኻልኦት ሰባት ክሽቐጡ ፡ ክምዝመዙን፡ ንውልቃውን ጉጅላዉን ረብሐ ካልኦት ሰባት ከከላብቱን ክትርኢ ከለኻ አዝዩ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ዘመልከቱ፡ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስደተይናታት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ አቡነ አጎስቲኖ ማርከቶ፡ አብ ልዕሊ’ዚ አብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝፍጸም ግፍዒ ምስዳድ፡ ምግሃስ ሰብአዊ መሰልን ክአ ዘሕዝንን ዘተሐሳስብን ካልእ ናይ’ዚ ግዜ’ዚ ቝስሊ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

አብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፈጸም ሞራል አልቦ ተግባራት ስክፍታ ዘይብሉ ምዝመዛ ፍትወተ ሥጋን ምዝመዛን ፍጹም ዘሰክፍ ከም ዝኾነ አቡነ ማርከቶ ከም ዝግለጹ ይምልከት።

ማኅበረ ዮውሐንስ መበል ዕስራን ሠለስተን ማኅበር ግብረ ሠናይ ምዃኑን ማኅበራዊ ሽግራት አብ ምፍታሕ ዘድሃበ ምስ ስኡናት ዝተሐባበር መንፈሳዊ ትካል ከም ዝኾነ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.