2009-05-19 08:42:06

፭ ሰንበት ዘትንሣኤ … መዝሙር፡ አርአየ ሥልጣኖ. . . .


 ንባባት፡ ዕብ፡10፡27~38፥ ፩ዮሓንስ 3፡18~24፥ ግ.ሓ. 9፡26~31 ዮሓ15፡1~8

ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሢኡ ማለት ሕጂ ኣብ መንጎ ህዝቡ፥ ሰዓብቱ ኣብ መንጎና ኣሎ ማለት እዩ። ትንሣኤ ንክርስቶስ ብዝያዳ ኣብ መንጎና ከም ዘሎ ዝገልጸልና ሓቂ እዩ። ንሕና ደቂ ትንሣኤ ብርግጽ ኢየሱስ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ብዝተፍላለየ መንገዲ ምሳና ከም ዘሎ ንአምን። ኣብ መንጎ ሓዋርያቱ ከኣ ብፍሉይ መገዲ ኣብ መንግኦም ይርከብ ከም ዝነበረ ግ.ሓ. ይነግረና። ንሶም እዮም ከአ እቶም መጀመርያ ከም ጎይትኦም ዝተቐበልዎ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ርክብና ምስ ኢየሱስ ከምቲ ናይ ሓደ ጨንፈር ምስኦም ዘልኦ ርክብ ገሩ ይገልጾ። ጨንፈር ካብቲ ቀንዲ ኦም ክፍለ የብሉን ሕይወት ክህልዎ እንተኾይኑ። ኣብ ሓደ ኦም ጭንፈር ምዃን እኹል ኣይኮነ ጨንፈር ፍረ ከፍሪ አልኦ፥ ክርስትያን ጥራሕ ምዃን እኹል ኣይኮነን እምነታዊ ግቡአትና ክንፍጽም ንክርስትና ንክነብሮ ክነፍሪ ኣሎና። ኦም ብዝያዳ ከፍሪ ንጽልጽሎ ነቲ ጨንፈር ክጭብጭብ ምእንቲ ሽዑ ብሓዲስ ጨብጪቡ ጽቡቕ ይፈሪ፥ ሓቀኛ ክርስትያንዊ ሕይወትና በዚ ጉዕዞ ምስ ዝጉዓዝ 30፥60፥100 ክነፍሪ ንኽእል።

እንታይ እዩ እቲ ኢየሱስ ዝዛረበሉ ዘሎ ፍረ? ካብ መልእኽቲ ዮሓንስ ሓበረታ ንረክብ። ብፍቕሪ ዝተመርሐ ክርስትያናዊ ሕይወት ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ። ፍቕሪ ብዘረባ ጥራሕ ክኸውን የብሉን ወላ እውን ጽቡቕ ጸሎት ጥራሕ ክኸውን የብሉን። ፍቕሪ ኣብ ግብሪ፥ ፍቕሪ ኣብ ተግባርን ስራሕን ክርኤ አለዎ፥ ኢየሱስ እንፈልጦ ኣብ ግብሪ ዝተመስረት ፍቕሪ ምስ እንነብር ጥራሕ ኢና። ነዚ ክርድአና ኣብነት ኤሌትሪክ ንውሰድ። ሓደ ሰብ ጎማ ዘልኦ ሳእኒ ገሩ ኤለትሪክ እንተሓዘ አይስምዖንዩ ምኽንያቱ እቲ ኤለትሪክ ብሰውነቱ ስለዝይመሓላለፍ ዘሎ፥ እንተነ ሳእኑ ኣውጺኡ ጥራሕ እግሩ እንተሓዞ ግነ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ድንገት ክገጥሞ ይኽእል ምኽንያቱ ኤሌትሪክ ብሰውነቱ ስለዝመሓላለፍ።

ኤሌትሪክ ብሰውነተይ ክሓልፍ እንተዘይከኣለ አነ ክስምዓኒ አይክእልን እዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ክአ ልክዕ ከምኡ እዩ፥ እቲ አምላኽ ዘመሓላልፎ ፍቕሪናባይ፥ ናብ ካልኦት ብአይ፥ እንተዘይተመሐላለፈ ናባይ እውን አይክመጽእን እዩ። አነ ፍቕሪ አምላኽ ክገልጽ ካልኦት ናተይ ፍቕሪ ኣብ ሕይወቶም ክገልጹ ይግባእ። እዚኣ ብፍሉያት ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ ክገብሮ ኣሎኒ ከመይ እግዚኣብሔር ፍልልይ የብሉን። ግብርና ንኹሉ ዘማእከለ ክኸውን ይግባእ።

ከምዚ ምስ እንገብር ኢና ሕያዎትን ሓቀኛታት አመንቲ እንኸውን፥ ንሕና ሕያዎት እንኸውን ዘሎና ኸአ ናይ አምላኽ ፍቕርን ሕያውነትን ኣባናን ብአናና ስለዝዓዪ እዩ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ብኻልእ መንገዲ ንርእዮ ማለት አነ መጀመርታ ሕያዋይ እንተኾይነ ድሕሪኡ አምላኽ ክፍቅረኒ እዩ ንብል። ጌጋ፥ አምላኽ ኩሉ ግዜ ኣነ ሕያዋይ እኹን አይኹን ምስ አፍቀረኒ እዩ፥ ኣምላኽ ክፍቅረኒ ናተይ ተግባር አይኮነን ዝውስኖ። አነ ሕያዋይ እንተኾይነ ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣባይ ክዓዪ ኣፍቂደ ኣሎኹ ማለት እዩ፥ ሕማቕ እንተኾይነ ኽአ ፍቕሪ ኣምላክ አባይ ከይዓዪ ዓጽየ አሎኹ ማለት እዩ። ብዘይ አምላኽ ሕይወት እመርሕ አሎኹ እዚ ኸአ ኣብ ጸልማት ምንባር እዩ ይብሎ ቅ.ዮሓንስ።

ንሕና ብተግባረይ ወይ ብስርሔይ ፍቕሪ አምላኽ ክረክብ ዝብል ሓሳብ ካብ ልብና ክነርሕቖ አሎና። እግዚአብሔር ዘፍቅረኒ አነ ሕያዋይ ስለዝኾንኩ አይኮነን። አነ ሕያዋይ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ አምላኽ ፍቕሪ ኣባይን ብአይን ናብ ካልኦት ክዓዪ እንከሎ ጥራሕ እዩ።

ፍቕሪ ኣብ ዘረባ፡ ፍቕሪ ኣብ ተግባር አብ ገለ እዋን ዝሃንጽ ዘረባ እውን ክሕወሶ ይግባእ። ንብዙሓት ፍቕር ናብ ተግባር ክንገልጽ ይቐለና ካብ ነቲ ሰብ ብቐጥታ ክንዛረቦ። ወለዲ ንአብነት ንደቆም ህያብ፥ ገንዘብ ብምሃብ ዝያዳ ፍቕሮም ክገልጹ ይቐሎም፥ ካብቶም ቆልዑት ገሊኦም ናይ ወለዶም ዘረባ ልዕሊ ኹሉ ንፍቕሪ ዝገልጽ ኮይኑ ክረኽብዎ ይክአል።

ቅ.ጳውሎስ አብ መጀመርታ ክርስትና ምስ ተቐበለ ክአምንዎ አይከአሉን፥ አምሰሉ ኮይኑ ዝቐርብ ኮይኑ መሲልዎም፥ ንሱ አብ ክርስቶስ ዘለዎ ፍቕሪ ብግብሪ ምስ አርአየ ሽዑ ክአምንዎ ክኢሎም። ንሱ ዓው ኢሉ ብዛዕባ ክርስቶስ ምስ ተዛረበ ንሕይወቱ ኣብ ዘስግእ ኩነት ምስ በጽሐ ንሽዑ ክአምንዎ ክኢሎም። እቲ ሓዲስ ክርስትያናዊ ሕይወቱ ከፍሪ ምስ ጀመረ፥ ፍቅሩ ኣብ ግብሪ ከርኢ ምስ ጀመረ፥ ድሕሪኡ ኢየሱስ ጎይትኡ ምዃኑ ኣሚኖም። ጳውሎስ ካብኡ ንድሓር ሕይወቱ ንብዙሓት ናብ ክርስቶስ ክመልስ መጋበሪ ኮይኑ፥ ብሓቂ ሕይወቱ ፈርያም ሕይወት እዩ ነሩ።

ኣብ መጨረሽታ ናብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ክንምለስ፥ ኣነ ብሓቂዶ ሕያው ጨንፈር ክርስቶስ እየ? ኣነ ብሓቂዶ ሓቀኛ ክርስትያን እየ ጽቡቕ ፍረ ዘፈሪ? ሕይወተይ ፍርያም ገረ ካልኦት ከምዝጥቐሙሉዶ ገረ?ኻልኦት ናይ ክርስቶስ ጸጋ ኣብ ሕይወተይ ዘምጽኦ ተሓድሶ ክርእዩ ክኢሎምዶ?ኣነ ብዘየጋጊ መንገዲ ናይ ክርስቶስ ምዃነይ ናባይ ክርእዩ ኪኢሎምዶ? ክንደይ ብናተይ ሕይወት ክአምኑን ክቕበሉን ንክርስቶስ ክኢሎም።

በዚ ብሩኽ ሰንበት ኩልና ሱባኤ ክንአቱ ግቡእ እዩ፥ ንክርስቶስክ ንረክብ ክጥዕመና ምእንቲ። ኣማናይ ክርስቶስ ንክርስቶስ ምስ ረኸቦን ኻልእ ክነግር ክሰብኽ ናይ መምህሩ ለበዋ እዩ። ክርስትያን ኮይኑ ክነግር ዘይከአለ ወይ መገዲ ጠፊእዎ ኣሎ ወይ ከአ ሰይጣን ተዓዊትሉ ኣሎ ማለት እዩ ነዚ ገሚትና ኢና እምብአር ንመድሕና ክንረኽቦ ክንሰብኮን ዝግብአና።

ንሕና ከም ማሕበር ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ኢና ናቱ ጨንፈር ኮና ኣሎና። ጨናፍር ኦም ብዙሓት እዮም ኣብ ሓንቲ ኦም ይጥርነፉ፥ ክፈርዩ፥ ክልምዑ፥ ክዓብዩ፥ ካብታ ዓባይ ኦም ክምገቡ ይግባእ ምስአ ቀጻሊ ሕይወትን ርክብን ክህልዎም ይግባእ። ንሕና ደቂ ክርስቶስ፡

1.ምስ ክርስቶስ ጎይታ ንቀጻሊ ርክብ ክህልወና ግድን እዩ ክነብር እንተኾና። ንሱ ማእከል እምነትና ስለ ዝኾነ ካብኡ ዝተፈለ ሕይወት ሞት እዩ ዘምጽአልና፥

2. ኩልና ብክርስቶስ ሓደ ክንከውን ግዱዳት ኢና። አቦና መድሕና ሓደ እዩ እንአምኖ ሓደ እዩ። ስለዚ ሓደ ምዃና ምርጫ አይኮነን ዝተዋህበና ጸጋ እዩ። ዘይናትና ምፍልላይ እዩ ዘይናትና ሓደ ዘይምዃን እዩ። ንቀዳሞት ክርስትያን እንተረኤና ሓይሎም ኣብ ሓድነቶም እዩ ነሩ በዚ ኸአ ውሑዳት እንከለዉ ንኹሉ ናብ ክርስቶስ ከምዝአምን ገሮሞ፥ ሓድነት ንደቂ ሰብ ኩሉ እዩ። አብ ሓድነት ፍቕሪ፥ ምትሕግጋዝ፥ ምጽውዋር፥ ምዕባለ፥ ልዕሊ ኹሉ ኸአ ሓድነት እንተሎ መጻኢ ሕይወት ቀጻልነት ኣልኦ። ብመንፈሳዊ ሕይወት ክርኤ እንከሎ ሓድነትን ቤተክርስትያን የዕብያ ግቡእ ተልእኮአ ከም እትፍጽም ይገብራ። መበቆል ሓድነት ክርስትናና ኣብ ቅ.ስላሴ ዘሎ ሓድነት እዩ። አነ መልክዕ ስላሴ ዘሎኒ ፍጡር እየ እሞ ንስላሴ ውሎዶም እየ ንአይ ዝርአ “ንስላሴ ዝመስል” ዝብል ስም/ቅጽል ክወሀበኒ ኣለዎ።

ንክርስቶስ ምሳኻ ቀጻሊ ርካብ ክህልወኒ ሓግዘኒ ንበሎ፥ ንለምኖ፥ አደ ሕዙናትን ሽጉራትን ዝኾነት ወላዲተ አምላኽ ማርያም ጸሎታን ረድኤታን ብፍሉይ ኣብዚ ንአኣ ጥራሕ ዝተዋህበ ወርሒ ግንቦት ለምልልና ንበላ። ኣብዚ ቐረባ ንግደት ማርያም ድዓሪት ኣብ ዓድና ብዓቢኡ ኣብዚ ዘሎና ኸኣ ክንዝክሮ ኢና ፍሉይ ተዘክሮ እዩ። ንኢየሱስ ብማርያም ኣቢልካ ምርካቡ እቲ ዝቐለለን ዝጠዓመን እዩ፥ ንሳ ምሳና ክተዕልል እንከላ እትብለና “ወደይ ዝበለኩም ግበሩ” እያ እትብለና ወዳ ንእዋና ርእዩ ዝብሎ ኸአ ኣብ ሕይወትኩም ቦታ ሓቡኒ ይብለና ኣሎ።

ነዚ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ



ሣኤ … መዝሙር፡ አርአየ ሥልጣኖ. . . . .








All the contents on this site are copyrighted ©.