2009-05-19 15:09:47

ፓኪስታን ናይ ሰላም ኅብረ ሃይማኖታዊ ጸሎተ


ኣብ ፓኪስታን እስላምን ክርስትያንን ሂንዱን ሲክን ብሓባር ግብረ ሽበራ ጣሊባን ኮኒኖም። RealAudioMP3 ናይ ፋይሳላባድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ኩትስ “ኅብረተሰብ ፓኪስታን ነቲ ጣሊባን ዝፍጽምዎን ርእዮት ጣልሊባናውነት ክስፋሕፋሕን ክሰርጽን ዘካይድዎ ተበግሶታት ዝቃወም ምዃኑን ዝገልጽ ውሳኔ ኢዩ ዘንጸባርቕ ዘሎ” እንክብሉ ከምዝሓበሩ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ብፁዕ ኣቡነ ኩትስ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ፓኪስታን ዘይ መንግሥታውያን ማኅበራት ዘነቓቕሕዎ ኣብ ናይ ኅብረ-ሃይማኖት ጉባኤ ከምእተሳተፉን ገሊጾም። ኩለን ሃይማኖታት ኣብዛ ሃገር ጣሊባን ዝፍጽሞ ዓመጽ ብኃባር ኮኒነን፣ ንናይ መንግሥቲ ወተሃደራት ከአ ደገፈን ከምዝገለጻ ሓቢሮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፓኪስታን ናጻን ልዑላዊት ሃገር ካብ እትኾነሉ 1947 ዓ.ም.ፈ. ንነጀው ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍልሠት ይርኤ ከምዘሎን፣ ጣሊባን ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽምሉ ከባቢ ስንጭሮ ስዋት 834 ሺሕ ሕዝቢ ከምእተመዛበለን ናይ ኅቡራት መንግሥታት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ሓቢሩ።

እቶም ኣኽረርቲ ምስልምና ኣብዚ ከባቢ እስላማዊ ሕጊ ክትግበርን ሽበራኦም ደው ከብሉን ምስ ማእከላይ መንግሥቲ ዝፈረምሉ ስምምዕ ይጥሕሱ ኣለዉ ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ከምዘሎ ተገሊጹ። እዚ ስምምዕ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብር ዘይእስላም ውሁዳን ማኅበረሰብ ንሓደጋ ከምዘቃልዖ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ብዙኃት ካብ ከባቢ ሚንጎራን፣ ካንጁን ካባልን ይመዛበሉ ከምዘለዉ ተገሊጹ። ካብዞም ዝተመዛበሉ ሕዝቢ 60 ክርስትያን ስድራ ቤት ከምዝርከቡዎም ይንገር። ናይ ፓኪስታን ወተሃደራዊ ምንጪ ዜና ከምዝሕብሮ፣ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጸረ ጣሊባን ውግእ፣ ትማሊ ኣብ ሓጺር ጊዜ 124 ዕጡቓት ኣባላት ጣሊባን ከምእተቐትሉን፣ 9 ናይ መንግሥቲ ወትሃደራት ከምዝሞቱን ተፈሊጡ። ብጠቕላላ እቲ ውግእ ካብ ዝተጀመረሉ ዕለት 870 ኣባላት ግብረ ሽበራ ጣሊባን ከምዝተቐትሉን፣ 45 ናይ መግንሥቲ ወትሃደራት ድማ ከምዝሞቱን ናይ ፓኪስታን ወታሃደራዊ መግለጺ ዝሃቦ ጊዚያዊ ጸብጻብ የረጋገጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.