2009-05-19 14:54:20

ኩነታት ሶማሊያ


እቲ ምስ ዓልቃዒዳ ምትእስሳር ኣለዎ ዝበሃል ኣብ ሶማሊያ ዝርከብ ኣል ሻባብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምንቅስቃስ እስላማዊ ኃይሊ፣ ብዙሓት ከተማታት ሶማሊ ይቆጻጸር ከምዘሎ ተሓቢሩ። እዞም ኣብ ሶማሊያ ናይ ዓልቃዒዳ የማናይ ኢድ ተባሒሎም ዝንገረሎም እስላማዊ ዕጡቓት ኃይሊ፣ ትማሊ ንግሆ እታ ካብ ጃውሃር ብሸነኽ ሰሜን 20 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ማሃዳይ ብዘይ ምፍሳስ ደም ከምእተቖጻጸርዋን ተገሊጹ። RealAudioMP3 ብጠቅላላ ካብተን ኣብ ከባቢ ማኣከላይ ሸበሌ ዝርከባ ኣርባዕተ ከተማታት፣ ሰለስትኤን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እስላማዊ ኃይሊ ከምዝኣተዋ ኢዩ ዝንገር። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሞቓዲሾ ማእከላይ ዝኾነ ምርግጋእ ዘሎ’ኳ እንተመሰለ፣ በቲ ካብ ዕለት 7 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ ዕጡቓት ኃይሊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ብዘነገስዎ መጥቃዕቲ 170 ሰባት ከምእተቐትሉን፣ 500 ከምዝቖሰሉን፣ 30 ሺሕ ሕዝቢ ድማ ከምእተመዛበለን እንክንገር፣ ናይ ኣል ሻባብን ናይ እስላማው ምቅንስቓስ ዕጡቓት ኃይልን፣ ናይ ሶማሊያ ከባቢ ርእሰ ከተማ ዳርጋ ይቆጻጸርዋ ከምዘለዉ ኢዩ ዝንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.