2009-05-19 15:36:49

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቤተክርስትያንን መንግሥትን ሰበሥልጣን ተቀቢሎም አዘራሪቦም፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ረፍዲ አብ ቫቲካን ናይ ምብራቃውያን አብያተ ክርስትያን ማሕበር ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ለየናርዶ ሳንድሪ፣ አብ አፍሪቃ አብ ረፓብሊክ ኮንጎን ጋቦንን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኰይኖም ከገልግሉ ዝተመርጹ፡ ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጃን ሮመኦ ፓቭሎቭስኪ ምስ ስድራ ቤቶም ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ናይ ቅድስት መንበር መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

አብ ልዕሊ’ዚ ቅዱስነቶም ትማሊ አጋ ቀትሪ ናይ ረፓብሊክ ፖላንድ መራሕ መንግሥቲ፡ ፕረሲዳንት ለክ ካዚንስኪ ምስ በዓልቲ ቤቶም ተቀቢሎም ከም ዘዘራረቡ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ አረዲኡ።

ብኻልአ ወገን እቲ መግለጺ ቫቲካን ከም ዘመልከቶ፡ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ እምነታት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን አብ አማን ዮርዳኖስ ሮያል መጽናዕቲ ዝተፈላለየ እምነት ዝተባህለ ትካል ብዝገበረሎም ዕድመ መሠረት አብ አማን አብ መጽናዕታዊ መጋባእያ ይሳተፉ አለዉ።

እዚ አብ ዮርዳኖስ ርእሰ ከተማ አማን ብሮያል መጽናዕቲ ዝተፈላለየ እምነት ዝተባህለ ትካል ዝተዳለወ መጋባእያ፡ ሃይማኖትን ሲቪል ኅብረተሰብን ዝተሰየመ ኣርእስቲ አልዒሉ ይዝትን ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝለዋወጥን እዚ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

መጋባእያ አማን ክርስትያናዉን አስላማዉን ባህልታት አብ ኅብረተሰብ ብዚምልከት ዝሐዞ አርእስቲ ምስ ፈጸመ ናይ ሐባር መግለጺ ከም ዘውጽእ ተፈሊጡ አሎ።

አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ባህሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ አቡነ ዣንፍራንኮ ራቫዚ አብ ዝተረኽብሉ አብ ግረጎርያን ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ዓለም ለኻዊ ጥምረት አብ ልዕሊ ባህልን መንፈሳዊ ክብርን ዘስዕቦ ሃስያ ንምጽዋር፡ ካብ ኤውሮጳ አፍሪቃ ትድልድል ብዝብል አርእስቲ ከም ዝዘተየ ፡ ካብቲ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

ብፁዕ አቡነ ዣን ፍራንኮ ራቫሲ፡ ከም ዘመልከትዎ፡ ዝሐለፈ ዓመት አብ ምብራቃዊ አፍሪቃ አብ ታንዛንያ ከተማ ባጋሞዮ ባህላዊ ግብረ ኖልዎ ብዚምልከት ዝተኻየደ አኼባ ሐዲሽ ተክኒክን ሳይንሳዊ ተረክቦን ፡ ንህዝባዊ ባህልን ያታን ዝቅንጥጥ ወይ ክአ ዘርግፍ ወይ ክአ ዘረስዕ ክኸውን የብሉን ብማለት ሠናይ ክትዕ ከም ዘካየደ ዘኪሮም፡ ኤውሮጳ ግን አብ ሐዲሽ ተክኖሎጂካዊ ተረክቦ ትጥሕል ከም ዘላ ተርእዮ አሎ ከም ዝበሉ ተፈሊጡ አሎ።

ዘመናዊ ተረክቦታት ካብ ዝህቦ ጠቅሚ ዘምጽኦ ጉድአት ምንጽጻር ከም ዘድሊ አብዚ አብ ግረጎርያዊ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተዘተየሉ ኪምልከት ከሎ፡ ባህላዉን ሞራላዉን ክብርታት ዘዕንዉ ዘመናዊ ማዕበላት ጐዳእቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ከም ዝተነግረ ተፈሊጡ አሎ።

ኤውሮጳ ናይ ዕስራ ክፍለ ዘመናት ክርስትያናዉን ግሪኻውን ላቲናዉን ባህሊ ተጥፍእ ዘላን እዚ ግን ዳግም ክሕነጽ ከም ዝግባእን እቲ አብ ግረጎርያዊ ዩኒቨርሲቲ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ጥምረት አብ ልዕሊ ባህልን መንፈሳዊ ኽብርን ዘምጽኦ ሳዕቤን ዝገምገመን ብዙኃት ምሁራን ዘሳተፈን አኼባ ከም ዘመልከተ ተነጊሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.