2009-05-19 15:00:55

መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ቤተ ክርስትያን ቻይና


ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝመጽእ ሰንበት ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ቤተ ክርስትያን ቻይና ክጽለ ምዃኑ ተሓቢሩ። ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ናብ ናይ ቻይና ካቶሊካውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ ዕለት 4 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ቤተ ክርስትያን ቻይና ክካየድ ዝገለጽዎ ድላይን ውሳኔን ምኽንያት ኣብ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ክረሼንዞ ሰፐ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ስደተይናታት ዜጋታት ቻይና ዝተሳተፈሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከቕርቡ ምዃኖም ተሓቢሩ። RealAudioMP3

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ቻይና ካብቶም ፈለምትን ዓበይትን ልኡካነ ወንጌል ተባሂሎም ዝጽውዑ፣ ኣብ ፐኪንግ ብ 1610 ዓ.ም.ፈ. ዝዓረፉ ኣባል ማኅበር ኢየሱሳውያን ኣባ ማተኦ ሪቺ፣ ኣብ ኢጣሊያ ኣብታ ብ 1522 ዓ.ም.ፈ ዝተወለዱላ ከተማ ማቸራታ ብዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባት ተዘኪሮም ከምዝወዓሉ ተገሊጹ።

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንኣባ ማቴዮ ሪቺ “ተባዕን በሊሕን መስተውዓልን ልኡኽ ናይ ክርስቶስ ወንጌል” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዝጠቐሱ ናይ ወጻኢ ስብከተ ወንጌል ተልእኮ ጳጳሳዊ ማኅበር ኣባል ናይ ስነ ቻይና ሊቅ ኣባ ጃንካርሎ ፖሊት፣ ነዛ ዕለት እዚኣ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ “ኣባ ማተኦ ሪቺ፣ እንዛረቦን እንሰብኮን ካልኦት መታን ክርድእዎ፣ ናይቶም ዝተልኣኽናሎም ሕዝቢ ቋንቋን ባህልን ኣፍልጦ ሃልዩና በዚ መሠረት’ዚ ድማ ስብከተ ወንጌል ምፍጻም ዝብል መምርሒ ዝተኸተሉን፣ ቋንቋ ናይቲ ወንጌል እተብጽሓሉ ሕዝቢ ምፍላጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣባል ናቱ ኴይናካ ኣተሓሳስባኡ ምልላይ የድሊ። ስለ’ዚ ወንጌል ኣብ ምክፋልን ኣብ ምብጻሕን ብስለት የድሊ፣ ኣባ ሪቺ ነዚ አቀዲሞም ብምርዳእ እቲ ወንጌል ኣብ ልቢ ሰብ ከብጽሑ ክኢሎም ኢዮም” ኢሎም።

“ምስቲ ሕዝቢ ናይቲ ተባዕን በሊሕን ዝገብሮ ስቓዩን መከራኡን ተኻፋሊ እንተድኣ ኴይንካ ብሓቂ ኣካሉ ምዃንካ ኢኻ እትገልጽ” እክብሉ ሓደ ናይ ቻይና ገና ብህይወት ዘለዉ ሊቀ ጳጳሳት ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮም፣ “ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታውን ብምርዳእን ኢዩ እዛ መዓልቲ ጸሎት እዚኣ ዝወሰኑ” ኢሎም። ቀጺሎም ኣባ ፖሊት “ር.ሊ.ጳ. እዚ መዓልቲ ጸሎት’ዚ ብ 2007 ዓ.ም.ፈ ዝገለጽዎ፣ ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝወሰነሉ ምኽንያት ድማ፣ እቲ መደብ ናይቲ እትጽልየሉ ሕዝብን ቤተ ክርስትያንን ሓፈሻዊ ባህሉን ታሪኹን መንፈሳዊ ጉዕዞኡን ክትፈልጥ፣ እሞ እቲ ምእንታኡ እትፍጽሞ ጸሎት፣ ፈሊጥካን ተረዲእካን ኣስተውዒልካን ንምቕራብ መታን ክከኣል ብምሕሳብ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.