2009-05-16 12:24:57

ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉሃድ ጥዋል


ኣብ ኢየርሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉሃድ ጥዋል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘካየድዎ መንፈሳዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ኣብ’ታ ሃገር ተረኺቦም ዝሃብዎ ኣስተምህሮን ዝገበርዎ ዲስኩርን ስብከትን ዋና መልእኽቱ ብኸመይ ትገልጽዎ ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፦ “ዋና መልእኽቱ ናይ ተስፋ ኢዩ። ተስፋ ሓዲጉ ኣብዚ ከባቢ ንዘሎ ኩነት ብሓደ ማዕልቲ ዝልውጦ ኢዩ ክበሃል እኳ እንተዘይተኽኣለ፣ ቅዱስነቶም ብዙሕ ዘሪኦም ኢዮም፣ እቲ ዝተዘርኤ ንምዕጻድ ንእግዚኣብሔር ግዜን ኣገዳሲ እዋንን ምሃብ ናትና ግደ ኢዩ” ኢሎም።

“ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ እትርከብ ቤተ ክርስትያንን ምስ ናይ ሃይማ RealAudioMP3 ኖትን ናይ መንግሥትን መራሕቲ ዝገበርዎ ርክባት ኣዎንታዊ ኢዩ። ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ እስራኤልን ኣብ ቤተልሔምን ተስፋ ዘሪኦም ኢዮም፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤልን ናታንያሁ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ብዛዕባ ሕይወት ኣብ’ቲ ከባቢ እትርክብ ቤተ ክርስትያን ዝምልከት ቀንድን ኣገደስትን እዋናውነት ዘለዎም ርእሰ ጉዳያትን ኣማእኪሎም ዘተዮም ኢዮም። ኣብዛ ሓገር ብዘይ መስቀል ክንበር ኣይከኣልን ኢዩ፣ ቅዱነቶም ነዚ ብቐረባ ተመልኪቶም ኢዮም፣ ስለዚ ድማ ነዚ ታሪኻዊ ብድሆ’ዚ ተቐቢልና ኩላዊት ቤተ ክርስትያንን መላእ ማኅበረ ክርስትያንን ብጸሎትን ብምትሕብባርን ደገፍ ብምሃብን ኣብ ጎንናን ምሳናን ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ኢዩ”።

ካብቲ ካብ ገጾም ዝረኸብናዮ ፍሽኽታን ምልኣት ተስፋን ካብቲ መዓልታዊ ናብራ ናይዚ ከባቢ ጽልዋ ዝነቅል ተስፋ ቁርጸትን ዘይምዕጋሥን ሻቕሎትን ብተስፋ ክንትክኦን ክንሰግሮን ዘተባብዕ ኢዩ ኔሩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.